Tuesday , May 7 2024

ምሕረት ውነና ዘይሕጋዊ ብረት ክግበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

Credit: Anders Wiklund/TT, Andreas Hillergren/TT

ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ብዝሒ ዘይሕጋዊ ብረታት ንምንካይ፡ መንግስቲ ሽወደን ብረታት ብፍቓዶም ንዘረክቡ ሰባት ኣብ ውሽጢ 2024 ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጠሎም ካብ ሓያሎ ውድባት ጸቕጢ ይግበረሉ’ሎ። “እዚ ንኹሉ ንሓዞ ዝዓይነቱ ኣገባብ መፍትሒ ክኸውን እዩ ብል እምነት የብለይን፣ ምናልባት ግና ሓደ ካብ ክውሰዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ስጉምትታት እዩ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ፍትሒ ሓምላይ ሰልፊ ራስሙስ ሊንግ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ኣርባዕተ ግዜ ዝተወሰነ ናይ ኣጽዋር ምሕረት ተገይሩ ኣሎ። ኣብ እዋን ምሕረት ውነና አይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ብረት ዝገዝአ ሰብ፡ ስሙ ከይገለጸን ብዘይ ዝኾነ ሳዕቤንን ነቲ ብረት ናብ ፖሊስ ክመልሶ ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com