Saturday , May 4 2024

ምስጢር ዓወት

ኣብ ሂወትካ ዕዉት ንምዃን እተካይዶ ጻዕሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሂወትካ ድቃስ ጠቓምን ኣገዳስን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እኹል ሰዓታት ደቅስ። እዚ ሓደ ወፍሪ ካብቲ ንሂወትካ ኣፍራይን ብሉጽን ክትከውን ዝሕግዘካ መስርሕ እዩ። ሓደ እኹል ሰብ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰዓታት ምስ ዝድቅስ ንጥዕናኡ እኹል እዩ። ንግሆ ካብቲ ቀጻሊ እትትንስኦ ሰዓታት ሓደ ሰዓት ቀዲምካ ተንስእ። እዚ መስርሕ ን21 መዓልታት ፈትኖ። ድሕሪ ግዜ’ውን ቀልጢፍካ ናይ ምትንሳእ ልምዲ ከተጥሪ ኢኻ። ኣብ ሂወትካ ክትግንዘቦ ዘለካ ንኽንደይ ሰዓት ደቂስካ ዘይኮነ ዘግድስ፡ እቲ ብሉጽነት ናይ ድቃስካ እዩ ኣገዳሲ።

ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ንመዓልቲ ብዛዕባ ውልቃዊምዕባለታትካ ሕሰብ። ኣዕሚቑካ ብምሕሳብ ብዛዕባ ምሉእ መዓልቲ ውዕሎኻ ኣስተንትን። መዓልታዊ፡ ግዜኻን ዓቕምኻን ብግቡእ ይጥቀመሉ ኣለኹዶ? ኢልካ ንነብስኻ ሕተታ። ግዜ ምምዳብ ሓደ ካብቶም ኣገዳስቲ ነገራት ስለ ዝኾነ፡ ግዜኻ ብግቡእ ኣመሓድር።

መዓልታዊ ኣብ ሓሳባትና ጠቐምቲ ዝኾኑ ርእይቶታት ካብ ገዛእ ርእስና ይኹን፡ ካብ ካልኦት ሰባት ንረክብ ኢና። እዞም ሓሳባት ብግዚኦም ስለ ዝጠቕሙና፡ ኩሉ ግዜ ከም መዘኻኸሪ ኣብ መዝገብ ከነስፍሮም ኣለና።

ሰንበት መዓልቲ ዕረፍቲ ከም ምዃና መጠን፡ ግዜ ዕረፍትኻ ብግቡእ ብምጥቃም ናይ ሰሙን መደብካ ኣውጽእ። ዝሓለፍካዮም መዓልታት ብምዝካር ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክትገብሮ ዘለካ መደብ ኣብግምት ብምእታው ውጥን ኣውጽእ።

 ኩሉ ግዜ ኣብ ሂወትካ ክትዝክሮ ዘለካ ነገር፡ ጽባቐ ናይ ሂወት በቲ እትገብሮ ርክባት ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት እዩ። እቲ ዝበዝሐ ምስ ሰባት እተካይዶ ርክባት ምስ ገዛእ ርእስኻ ክትዛረበሉ ከለኻ ኣዝዩ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሂወትካ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ዝረኸብካዮም ሓሳባት ድማ በቲ ቅኑዕ መንገዱ ብምስልሳል ዕዉት ዝኾነ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዕላማኻ ጽናዕ። ኣብ ዝመጹኻ ውጽኢታት ጥራይ ዘይኮንካ ምዕዛብ፡ ዕላማኻ ክሳብ መፈጸምታ እተብጽሖ ዘይምሕላል። ኣብ ሂወትካ ንዝተፈላለዩ ሰባት እትገብሮ ሓገዝ ኩሉ ግዜ ብገንዘብ ክምለሰካ ዘይምጽባይ። ንሰባት ብማዕረን ብተገዳስነትን ሓብሕብ። ኩሉ ሰብ ነናቱ ጽባቐን ብልሕን ስለዘለዎ፡ ኩሉ ግዜ ብገንዘብ ዘይኮነ ብነገራት ንኽምለሱልካ ዝኽእሉ ኣይትንዓቕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com