Saturday , May 4 2024

ርእሰ-ዝርርብ

ልዑል ርእሰ-ንቕሓት ወይ ርድኢት ምህላው ማለት፡ ዝበለጸ ርድኢት ክውንነት ምህላው ማለት’ዩ። ኣንጻር ክውንነት ምጕዓዝ ማለት ድማ፡ ንዘይብልና ነገራት ኣብ ገዛእ ህይወትና ከነንጸባርቕ ምፍታንን ኣንጻር ባህሪያትና ከም ምጕዓዝን እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፈ ኩርዓትን ትዕቢትን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዝንቡዕ ኣረኣእያ ክህልወና ይኽእል። ብሰንኪ’ዚ ኩነተ-ኣእምሮ’ዚ ከኣ ዝተጋነኑ ዓይነታዊ ስምዒትን ክእለትን ይሓድረና። ትርኢት ክእለትና’ውን ካብቲ ልክዑ ዝረሓቐ ይኸውን።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘለና ኣኽብሮት ትሑት እንተደኣ ኰይኑ፡ ንዘለና ብሉጽነትን ክእለትን ኣትሒትና ክንግምግም ኢና እንድረኽ። ንርእስና ከነነኣእስን ከነዋድቕን ድማ ንቕሰብ። እዚ ድማ ንዝነበረና እምነት ከም ዝጠፍእ ይገብሮ። ስለዚ፡ ክልቲኦም – ዝተዳመቐን ዝተሓተን ርእሰ-ኣኽብሮት ናብ ዕንወት’ዮም ዝመርሑ።

 ትሑት ርእሰ-ተኣማንነት ብዝተፈላለየ መዳያት ክመጽእ ይኽእል። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እያ፡ ኤሊኖር ሩስቨልት “ብዘይ ፍቓድኪ ማንም ሰብ ከትሕተኪ ኣይክእልን እዩ።” ክትብል እትመክር። ብርግጽ፡ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ስለዚ፡ ስለምንታይ ካልኦት ሰባት ከትሕቱና ነፍቅድ ኣለና መልሲ ንምርካብ፡ ኣዕሚቚና’ስከ ናብ ውሽጥና ንጥለቕ። ንገለ ካብቶም ምልክታትን ተርእዮታትን ናይ ትሑት ርእሰ-ተኣማንነትን ርእሰ-ኣኽብሮትን ንምልከቶም፡- ኣብ ዝዀነ እዋን ብዝተፈላለዩ መገድታት ገበን (በደል) ክስመዓና ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ካብቶም ኣልመስቲ ነብሰስቓይ እዩ።

 ኣብ ዘይፍጹምነት ብምትኳር ጥራይ፡ ነገራት ዘይዕረዩን ዘይምሓየሹን ኰይኖም ክረኣዩና እንከለዉ ድማ እዩ ዝኽሰት።ተጠራጣርነት ወይ ልዕሊ ዓቐን ነቐፌታዊ ምዃንን እውን ከምኡ። እዚኦም ድማ ንኸም፡“ኣነ ፍጽምቲ ኣይኰንኩን፡ ስለዚ ዋጋ የብለይን።” ዝብሉ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ፍጹምነትን ምኽንያታትን የጠቓልሉ። ተጠራጣርነትን ሲኒክነትን “ዝሓቐቑ ቅርጽታት ሕርቃን” እናተባህሉ እዮም ዝግለጹ። ኵሉ ግዜ ኣብ ኣበራትና ጥራሕ እንተደኣ እነተኩር ኴንና ድማ ተጐዳእቲ ኢና እንኸውን።

 ይቕረ ዘይምባል (ምሕረት ዘይምግባር) ንኻልኦት ጥራይ ዘይኰኑስ ብዝያዳ ንዓና እዮም ዝጐድኡ። እቲ ይቕረ ምግባር ወይ ምሕረት ምግባር ንኻልኦት ሰባት ጥራይ ዘይኰነ’ውን ብዝያዳ ንገዛእ ርእስና ክንልግሰላ እንከለና እዩ ዋጋኡን ርዝነቱን ዕዙዝ ምዃኑ ዝርደኣና። “ሰባት ፍጹማትን ምሉኣትን ክዀኑ ኣለዎም። ኣነ ይኹን ካልኦት ግና ፍጹማት ኣይኰናን። ስለዚ ፍጹም ዘይኰነ ሰብ ምሕረት ክግበረሉ የብሉን” ዝብል ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ክህልወና የብሉን።

 ርእሰ-ሕንከት ማለት፡ “ኣነ ብጣዕሚ ዘጽልእ፡ ዘደንጹ፡ ስግንጢር፡ ደንቆሮ፡ ግናይ… እየ” እናበልና ብምስጢር ክንጓዓዝ እንከለና’ዩ። እዚ ድማ ኣሉታዊ ሕልኽላኻት እዩ ዝፈጥር። ብኣንጻሩ ትዕቢት’ውን ከምኡ። ዝዀነ ሰብ እንተደኣ ሓቀኛ ርእሰ-ተኣማንነት ኣለዎ ትዕቢትን ኩርዓትን ኣየድልዮን እዩ።

ዘይቅቡል ትሕትና፡ ኣምልኾ ኣብ ሰባት፡ ፍርሒ፡ ካብ ሓቀኛ ህይወትካ ወጺእካ ፍጹም ሰብ ኴንካ ክትረአ ምድላይ፡ ትህኪት፡ ጸቕጥን ኣብ ሰባት እምነት ዘይምህላውን’ውን ተወሰኽቲ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ተርእዮታት እዮም።

እምበኣርከስ ኣብ ስራሕ ንሃሉ ኣብ ገዛ፡ ርእሰ-ተኣማንነትና እነዕብየሎም ዝተፈላለዩ መገድታት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ብሉጻት ኣገባባት ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ እወታዊ ዝርርባት ምጥቃም እዩ። እወታዊ ርእሰዝርርብ (ገለጻ) ይኹን እወታዊ ኣተሓሳስባ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ዝተፈላለዩ ኣሰልጠንትን ኣማኸርትን ንዓማዊሎም ክህብዎ ዝጸንሑ ብሉጻት ምኽሪታት እዮም።

ምናልባት ግን “ርእሰ-ዝርርብ” ክንብል እንከለና፡ ዓው ኢልካ ምስ ነብስኻ ምዝራብ ኰይኑ ክስመዓና ይኽእል ይኸውን እዩ። ግና፡ ዋላ’ኳ ንገዛእ ርእስና ዓው ኢልና ብእወታ ምዝራብ ከም እንኽእል ርግጸኛታት ንኹን፡ ንዓወታትናን ፍሉይነትናን ግዜ ሂብና ክንሓስብሉ እንተኽኢልና’ውን እኹል እዩ።

ንሓይልናን ፍሉይነትናን ክንሓስብ ዘሸግረና እንተደኣ ኰይኑ ግን፡ ኣብ ሓደ ህዱእ ቦታ ኮፍ ብምባል፡ ሃዲእና ብዛዕባ ፍሉይነትና ብምሕሳብ ንዘርዝር። ነዞም ዝርዝራት ብጽሑፍ ምስፋር ድማ፡ ብዝያዳ ተወሰኽቲ ሓሳባት ካብ ሓንጎልና ከነፈልፍል ይሕግዘና። ነቶም ዝጸሓፍናዮም ዝርዝራት ድማ ወትሩ ምእንቲ ብቐሊሉ ከነንብቦም፡ እንተኽኢልና ኣብ ብቐሊሉ ዝርከብን ዝረአን ከነቐምጦም ጽቡቕ’ዩ።

ኣሉታውያን ስምዒታት ብዘስዕቡ ነገራት’ውን ንኸበድቲ ሽግራት ክንቃላዕ እንከለና፡ ካብቲ ነገር ቊሩብ ርሒቕና ብዕምቆት ብምስትንፋስ፡ መፍትሒ እቲ ሽግር ይኸውን’ዩ ዝበልናዮ ብሉጻት ሓሳባት ንሕሰብ። ሓደ ውርጹጽ ንድፊ ሓንጺጽና ድማ ንትግባረኡ ንበገስ። ምኽንያቱ፡ ካብቲ ኩነታት ንእለት ነብስኻ ምግላል፡ ካብቶም ኣሉታውያን ስምዒታት ኣርሒቑ ናብ ፍታሕ ዘምርሑ ገለ ኣንፍታት እዮም ዝህቡና።

ርእሰ-ተኣማንነትና ክንሃንጽ፡ እወታዊ ርእሰ-ዝርርብ ከነማዕብል ኣብ ዝተበገስናሉ እዋን’ምበኣር፡ እቲ ተመኩሮ መጀመርያ ዕሽነት መሲሉ ክረኣየና ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ጸኒሑ ግና ጥቕሙ ክርደኣና እዩ። ንሕና፡ ሓያላት፡ ንዅሉ ነገር ክንሰግርን ክንዕወትን ከም እንኽእልን ድማ ኵሉ ጊዜ ንገዛእ-ርእስና ነረጋግጸላ። ህይወትና ናትና ስለዝዀነት፡ ባዕልና’ምበር ካልኦት ሰባት ክቆጻጸርዋ ኣይነፍቅድ። እወታዊ ኣተሓሳስባን ርእሰ-ዝርርብን ድማ ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ከሰጋግሩና እዮም።

ምንጪ : internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com