Monday , May 6 2024
Credit: Brett Ascarelli/Sveriges Radio/Henrik Montgomery/TT

ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ሓገዝ ዩክሬይን ይፈላለያ።

ኲለን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ነቲ ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ገዚፍ ምኽታት ሰራዊት ኮኒነን ኣብ ጎድኒ ሃገር ዩክሬይን ደው ከም ዝብላ እየን ዝገልጻ። እንተኾነ ግና እዚ ደገፍ ብኸመይ ክግለጽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝፈላለያ ተገሊጹ። ገሊኣተን ቊጠባዊን ሞራላዊን ሓገዝ ጥራይ እዂል እዩ ክብላ እንከለዋ ዝተረፋ ድማ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል መርገጺ ብምሓዘን ምፍልላይ ከም እተራእየ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ተጻብኦ ንጸጥታ ዩክሬይን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ኣውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ኣብ ዝብል ሰለስቲአን ሰፊታት ባይቶ ሽወደን ማለት ዴምክራስያዊ ሰልፊ፥ ጸጋማይ፥ ማእከላይን ሞደራትናን ተሰማሚዖም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ሽወደን ንዩክሬይን ዘለዋ ደገፍ ብኸመይ ትግለጾ ኣብ ዝብል ርኡይ ቫብ መንጎ እዘን ሰልፊታት ፍልልያት ተኸሲቱ’ሎ። ዓቃባዊን ዴሞክራስያዊን ሰልፊታት ሽወደን እታ ሃገር ምስ መሻርኽቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምዃን ከምዚ ዓይነት ተጻብኦ ፈጺምና ከም ዘይንቕበል ከነርኢ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ዩክሬይን ብዛዕባ ክንልእኮ እንኽእል ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ሓገዛት እውን ክንዘራረብ ይግባእ ክብሉ እንከለዉ ጸጋማይ ሰልፊ ግና ዝተፈልየ ርእይቶ ሒዛ ቀሪባ’ላ። “ናብ ዩክሬይን ኣጽዋር ምልኣኽ ነቲ ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ከጓሃህር እንተዘይኮይኑ ክሕግዝ እዩ ዝብል እምነት የብልናን፥ ስለዚ ድማ እቲ ዝሓሸ ሞራላዊን ቊጠባዊን ሓገዛት ምሃብ እዩ ክብል መራሒ እታ ሰልፊ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com