Wednesday , May 1 2024
Johan Nilsson/TT

ሰሙን ድሕሪ መጥቃዕቲ፡ ተመሃሮ ማልም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም።

ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ድሕሪ ዝተኻየደን ክልተ መማህራን ግዳይ ሞት ዝገበረን መጥቃዕቲ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ቤት ትምህርቲ ትማሊ ሰኑይ ናብ ልሙድ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሱ ተገሊጹ። 

ተማህሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ማልም ላቲን ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ተመራመርቲ ስነልቦና ከምኡ’ውን ኣማኸርቲ ኣገልግሎት ንኽህቡ ድሉዋት ከም ዘለዉ ተመልኪቱ። 

ሓላፊ ጥዕና ተመሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ኣግኔታ ፍረዲን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ነተን ግዳያት ዝኾና ክልተ ማምህራን ንዓመታት ዝፈልጥወን ተመሃሮ ኣብ ናይ ሓዘን ድባብ ምህላዎም ወሲኻ ገሊጻ’ላ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com