Wednesday , May 8 2024

ሳዕቤናት መጥቃዕቲ ሃከር (hacker)ይቕጽል

ኣብ ስርዓተ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ፊንላንዳዊ ትካል Tietoevry ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ዘይምርካቡ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ከም ዘሎ ተፈሊጡ። “ዛጊት ምሉእ ስፍሓቱ ዘይንፈልጦ ከቢድ ጒዳይ ንገጥም ከምዘለና ርዱእ’ዩ” ይብል ሚኒስተር ሲቪል ምክልኻል ካርል-ኦስካር ቦህሊን። እቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ምዕጻው ብዙሓት ኩባንያታትን መንግስታዊ ትካላትን ኮይኑ’ሎ። ሓደ ካብዞም ሃስያ ዝወረዶም ኣሰራርሓታት እቲ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጥቀሙሉ ስርዓተ ዕደላ ደሞዝ እዩ። ካብ ዜናታት ኣገልግሎታት ከይወጻእና ኣብ ሽወደን ሓላፍነት ክንክን ጥዕና ዝከታተላ ዞባታት ኣብዚ ዓመት ብድምር ናይ 24 ቢልዮን ክሮነር ሕጽረት ባጀት ክህልወን ትጽቢት ከም ዝግበር ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እዚ ድሕሪ 90ታት እቲ ዝዓበየ ቁጠባዊ ሕጽረት ምዃኑ፥ እዚ ምቚራጽ ዕቚር ማል ጽልዋኡ ከሕድር ምጅማሩ ኣብ ማሕበር ምምሕዳራት ከባቢን ዞባታትን ሽወደን (SKR) ዋና ክኢላ ስነ-ቑጠባ ኣኒካ ዋለንስኮግ ገሊጻ’ላ። ኣብ ቫርምላንድ 750 ሰራሕተኛታት ክፋነዉ ከም ዝኽእሉ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ስራሕ ምፍናው ኣብ ግምት ዘየእትዋ ድማ ኣርባዕተ ዞባታት ጥራይ እየን ክብል ማሕበር ምምሕዳራት ከባቢን ዞባታትን ሽወደን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብ ስቶክሆልም፡ ዞባዊ ባይቶታት ኦሬብሮን ዳላርናን ግብሪ ክውስኹ ምዃኖምን፡ ኣብ ዮተቦሪ ድማ ቁጽሪ ኣምቡላንሳት ክጐድላ ምዃነን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት፡ ኮቪድ-19፡ ኢንፍሉዌንዛን RSVን ሓዊሱ ለበዳ ዝመስል ሕማማት ክረምቲ ተራእዩ’ሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ጉንፋዕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዝጅምር ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ተራእዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com