Saturday , May 4 2024

ስለምንታይ ድሕሪ መርዓ ይቕየር…

ባህሪና ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብዝሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ፍልልያቱ ካብ ጾታ ናብ ጾታ’ውን እዩ ዝፈላለ። ብመጠን ምብዝሑ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐያየረ ክኸይድ ይኽእል። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ዝመስል ድማ፣ ብዙሓት ተጻመድቲ ቅድሚ መርዓ ምስ መጻምድቶም ዝነበሮም ኣገባብ ምብህሃል፣ ድሕሪ መርዓ ብዙሕ ክቕየር ዝረአ። እቲ ትርኢት ናይዚ ለውጢ’ዚ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝረአ’ኳ እንተኾነ፣ ብዝያዳስ ኣብ ደቂተባዕትዮ ዝረአ ምዃኑ እዮም ብዙሓት ምሁራት ስነ-ልቦና ዝሕብሩ።

ኣብ ቅድሚ መርዓኦም ንዘለዉ ሰባት፣ ኣብ ዘለዉዎ ሬስቶራንት ይኹን ካልእ ህዝባዊ ቦታታት፡ ብዓይንና ተዓዚብና ጥራይ ምርዑዋትን ዘይምርዕዋትን ተጻመድቲ ክንፈሊ ንኽእል ኢና። እቶም ኣፍ-ንኣፍ ተወሃሂቦም ጉጅም ዝብሉ ምርዑዋት፣ እቶም ንዘረባ መጻምድቶም ሓንቲ ቃል ከየውጽኡ ብጽሞና ጥራይ ዝሰምዑ ድማ ዘይምርዑዋት ምዃኖም ንምግማቶም ፍጹም ኣየሸግርን።

ገለ ገለ ደቀንስትዮ፣ ሰብኡት ብኣቛራጭ መንገዲ ብዘይ ቃላት ንዝበሃሃልዎ ክርደኣኦ ከም ዘይክእላ ብምምራር እየን – ምብህሃል ኣገዳሲ ምዃኑ ብቕንዕና ዝገልጻ። ብኣቋራጭ ምብህሃል ወይ ድማ ብዘይ ቃላት ዝግበር ቃለ ምልልስ፣ ካብቶም ብዙሕ ግዜ እንጥቀመሎም ኣገባባት እንተኾኑ፣ ኣብኡ ዝጠፍእ ዓቢ ነገር ግን ኣሎ፤ እቲ ብነዊሕን ብዘገምታን ከነስተማቕሮ ዝግባኣና ምዝናይን ምዝንጋዕን።

እቶም ንፉዓት ሓደስቲ መጻምድቲ፣ ጌና ሓዳሮም ሓድሽ እንከሎ እዮም፣ ንዘጋጥሞም ሽግራት ብዕቱብ ርእዮም ክዝትዩሉ ዝጅምሩ። ናይ ሓድሕዶም ይኹኑ ኣብ ሞንጎ ፈተውቶምን ስድራቤቶምን ንዘሎ ኣረኣእያታት ክፈልጡን ከመዓራርዩን ድማ፣ ብርቱዕ ጻ

ዕሪ የካይዱ። ገለ ገለ ሓደስቲ ውጻእ-ሓዳር ግን ድሕሪ ብዙሕ ምፍላጥን ምዝርራብን፣ ናይ ክልቲኦም ድሌታት ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡ’ሞ፣ እቲ ሞንጎ ክልቲኦም ዝግበር ምብህሃል ክዝሕትል ክጅምር ይኽእል።

እቲ ሓዳር እናዓኾኸ ክኸይድስለዝጅምር ከኣ፣ ናይ ክልቲኦም ተጻመድቲ ድሌታት’ውን ክረሓሓቕ ስለ ዝኽእል፣ እቲ ሓደ ክዛረብ እንከሎ እቲ ሓደ ከስቅጥ ምርኣይ ንቡር እናኾነ ይመጽእ። እዚ ድማ ብፍላይ፣ ቆልዑ ክውለዱ ምስ ጀመሩ ይረአ።

ህይወት መብዛሕተን ደቀንስትዮ፣ ኣብ ሓዳር ምስ ኣተዋ ብዙሕ ጾር ዘለዎ ብምኻኑ፣ ብዙሕ መሳጢ ኮይኑ ዘይክርከብ ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ድማ እየን፣ ገለ ገለ ደቅስትዮ ሰብኡተን ግዜአን ብኸመይ ከም ዘሕለፋኦ ብዘይምሕታቶምን ክፈልጡ ዘይምድላዮምን ዝወቕሳኦም። ገለ ድማ፣ ብዛዕባ ምኽሻንን ቆልዑን ክዛረባ ከም ዘይክእላ ይዛረባ። ምኽንያቱ፣ መብዛሕትኡ ግዜ “ዘረባ ሰብይቲ” ዝብላ ቃላት ካብ ኣፎም ክሰምዓ እንከለዋ፣ ስምዒታተን ከም ዝበታተኽ’የን ዝሕብራ።

ብዙሓት ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮ፣ ቆልዑ ክወልዳ ምስ ጀመራ ፍርቂ ሰብኡተን ከም ዝጠፍኡወን እየን ዝሰማመዓ። ካብዚ ሓቂ ተበጊሳ ድማ እያ ሓንቲ ጓለንስተይቲ “ዘዛርበኒ ዘይብለይ ምስ ቆልዑ ተኸዚነ ክውዕል እንከለኹ፣ በዓል ቤተይ ምሸት መጺኡ ከዘራርበኒ ክኽእል ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ግን ክትኮስ እየ ማለት እዩ።” ክትብል ትስመዓ።

ቆልዑ ምስ ተወልዱ፣ ንድሌትን ኣተኩሮን ክልተ መጻምድቲ የደልድሉ እዮም እዩ ዝበሃል። እንተኾነ ግን ኣብ መብዛሕቶም መጻምድቲ፣ ቆልዑ ክውለዱ ምስ ጀመሩ ዝተፈላለየ ስድራቤታዊ ባእሲ ዝጅምር። ዝርርባት በብቕሩብ ይቕንስ፣ እቶም ቆልዑ ጌና ከይጎበዙ ድማ ኣብ ሓዳሮም ዘለዎም ዕጋበት ብምንቁልቋልክብተኑ ይኽእሉ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ምዝሕታል ምብህሃል ድሕሪ መርዓ ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንከለዉ ገለ ገለ ደቂ ተባዕትዮ፣ ዕላላት ደቀንስትዮ ስለ ዘሰልችዎም እዮም ዝዛረቡ። እዘን ደቀንስትዮ ግና፣ “ካብ ናይ ሓዳርናን ናብራናን ጉዳይ ሓሊፍና’ሞ ብዛዕባ እንታይ ከነዕልል ንኽእል?” ክብላ እየን፣ ካብኡ ሓሊፈን ብዛዕባ ስፖርት፣ መኪና ይኹን ካልእን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ዛዕባ ደቂተባዕትዮ ዝኾኑ ኣርእስታት ከዕልላ ከም ዘይክእላ ዝገልጻ።

ከምዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ፣ ምስ ግዜን ኩነታትን ብዙሕ ነገር ክቀያየር ንቡር እዩ። ግን ከኣ ዘይዕረ ነገር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ሓዳርና ድሕሪ መርዓ ዝኽሰት ስቕታ መጻምድትና ድማ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ከም ዘለዎ ኢና ብቐዳምነት ክንፈልጥ ዝግባኣና። ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ ድማ ኢና ከነዕርዮ ንኽእል። ከም ኩሉ ሽግር ድማ ብዓቕልን ጻዕርን እዩ ዝፍታሕ።

እቲ ዝግባእን ዓሚቑን ምብህሃል ከነዘውትርን ከነማዕብልን እንተደኣ ተበጊስና፣ ዘይከኣል ነገር ኣይኮነን። ብዙሓት ደቀንስትዮ ንስቕተኛታት መጻምድተን ብፍቕሪ ዝተመልአ ኣዘራርባ ተጠቒመን እየን ናብቲ ዕላል ዘእትዋኦም። ገሊእን ድማ ኣዘናጋዒ ዕላላት የምጽኣ። ስለዚ እቲ ሓዳር ግዜ እናበልዐ እናክኸይድ፣ ዝስዕርር ስቕታ ደቂተባዕትዮ፣ ኣብ ኣገባብ ምብህሃልና ጸገም ተፈጢሩ ከም ዘሎ ስለ ዘረድኣና፣ ከነዐርዮ ክንጓየይ ጥራይ እዩ ዘለና።

ምንጪ:  internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com