Wednesday , May 8 2024
Foto: Terje Pedersen / NTB

ስሙያት ሰባት ኲናት ዩክሬይን ደው ክብል ጸዊዖም’’

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጸሓፍቲ፡ ንነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝጣበቑ ኣክቲቪስት፡ ከምኡውን ተሸለምቲ ኖቤል ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝጽውዕ ክታሞም ኣንቢሮም። እዚ ጻውዒት ብማሕበር ደረስቲ ፔን ኢንተርናሽናል እዩ ተዳልዩ። ፕረሲደንት ፑቲን ንዩክሬይን ክወርር ምውሳኑ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ኣብ ወለዶታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ ቅልውላው ክፍጠር ጠንቂ ኮይኑ ምህላዉ እቶም ጸሓፍቲ ኣብቲ ክታም ጥርዓኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ካብዞም ከተምቲ ተሸላሚ ኖቤል ዝኾነ ሳልማን ሩሽዲ ከምኡውን ብጽምዲ ዝተሸለመት ማርያ ረሳ፡ ደራሲት ማርጋሬታትዉድ፡ ሲሪ ሁስትቨድ ከምኡውን ኣቦመንበር ክንፊ ፔን ኖርዌይ ሸርስቲ ሉከን ስታቭሩም ይርከብዎም።

ንሳቶም ህዝቢ ዩክሬይን መጻኢ ዕድል ሃገሩ ብዘይምትእትታው ሩስያ ክውስን መሰሉ ምዃኑ እዚ ብፕረሲደንት ፑቲን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከኣ “ትርጒም ኣልቦ” ስለዝኾነ ብሓባር ከም ዝዂንንዎ ኣብቲ ክታሞም ገሊጾም ኣለዉ። ብዘይካዚ ኲሎም ከተምቲ ን ጸሓፍቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ስነጥበባውን፡ ከምኡውን ንመላእ ህዝቢ ዩክሬይን ኣብ ዝጽልመተ ግዜ ምህላውኲ ምንሓዝን፡ ኣብ ጎድንዂም ኣለና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እቲ ናይ ጥርዓን ክታም ብእንግሊዝኛ፡ ብሩስያኛ፡ ብዩክሬንኛን ዓረብኛን እዩ ተዳልዩ። እቶም ስሙያት ጸሓፍቲ ኣብ መወዳእታ ብርዒ ን ሴፍ ክትስዕር እያ ዝብል ተስፋኦም ኣንቢሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com