Wednesday , May 8 2024
FILE - In this Nov. 22, 2020 file photo, Saudi Arabia's Crown Prince Mohammed bin Salman attends a virtual G-20 summit held over video conferencing, in Riyadh, Saudi Arabia. Saudi Arabia announced on Monday, Feb. 15, 2021, that it plans to stop signing contracts with foreign companies that don’t have their Mideast headquarters in the kingdom, state-run media reported, a bold move that could escalate business competition in the region. (Bandar Aljaloud/Saudi Royal Palace via AP, File) CAIDK101

ስዑዲ ዓረብ: ወራስ ዓራት ዕዉት መጥባሕቲ ኣካዪዱ።

ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ብረቡዕ ዕዉት መጥባሕቲ ተረፍ መዓንጣ (ቤንቲሽተ) ምግባሩ ካብ ንጉሳዊ ቤት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እቲ ወራስ ዓራት ነቲ መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዱ ብኡ ንብኡ ናብ ስርሑ ከም እተመልሰ እውን ተሓቢሩ።

ወዲ 35 ዓመት ወራስ ዓራት መጥባሕቱ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሆስፒታል ንጉስ ፈይሰል ከተማ ሪያድ እዩ ኣካይድዎ።

ዝሓለፈ ረቡዕ እቲ ወራስ ዓራት ምስ ዓጀብቱ ካብቲ ሆስፒታል እንክወጽእ ኣብ ተሌቪዥን ስዑዲ ዓረብ ተራእዩ ኔሩ ክብል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

“ምስ ምሉእ ጥዕና ካብ ሆስፒታል ወጺኡ’ሎ” ክብል ንጉሳዊ ቤት እኳ እንተገለጸ ዝርዝር ኣይሃበን።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com