Monday , May 6 2024

ስድራቤታት ብምንቊልቋል ቚጠባ ይህሰዩ

ቁጠባ ሽወደን ሕጂ ብወግዒ ኣብ ምንቁልቋል ስለዝርከብ፡ ብዙሓት ስድራቤታት እዚ ኲነታት ክስምዖም ጀሚሩ’ሎ። ሽመታ ኣባይቲ ምንቊልቋል ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሬድዮ ሽወደን እዚ ኲነታት ብልክዕ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ኣብ ዜጋታት የሕድር ምህላዉ ንምፍላጥ ን ገለ ሰባት ተወኪሳ ኔራ። ሓደ ካብዚኦም ዝኾነ ኣቦ እዚ ኲነታት ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ፡ ናይ ምጒዓዝ መደባቱ ዳግመ ግምት ክገብረሉ፥ ኣብ ኣወጻጽኣ ገንዘቡ ኸኣ ጥንቃቐታት ክገብር ከም እተቐሰበ ይገልጽ። በይና ሰለስተ ደቃ እተዕቢ ካታሊን ማዛግ፡ ደቃ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ በዓል ልደት እንታይ ህያባት ከም እትገዝኣለን ክልተ ግዜ ክትሓስብ ከም ዝገበራ፥ ሲነማን ካልእ ተወሳኺ ወጻኢታት ዝገብር ናይ ምዝንጋ መደባት ክትስርዝ ምዃና ብሓፈሻ “ዝያዳ ቅርጡው መደብ ከየውጽእ ከም ዘለዋ” ከም እተገንዘበት ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com