ትማሊ ሰኑይ ኣብ ባቕዳድ ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ብጥይት ከምዝተቐትለ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዒራቕ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ጸጥታ ንዝርከቡ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢረን። ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ጥርጡር ንባዕሉ ሽወደናዊ ዜጋ ኮይኑ፥ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ገሊጹ’ሎ።