Wednesday , May 8 2024
Credit: Janerik Henriksson/TT

ሽወደን፡ ሰብመዚ ጥዕና ዞባታት ድልዉነቶም ይውስኹ።

ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጽልዋኡ እንተስፊሑ ብምባል ሰብመዚ ጥዕና ዞባታት ሽወደን ዘድሊ ዝበልዎ ምቅርራባት ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ሽወደን እትርከብ ዞባ ቫስትራ ጉትላንድ ነዚ ምድላው ከተጻፍፍ ሓላፍነት ዝወሰደ ኤሪክ ላንግስትረን ብርክት ዝበለ ተነቃፊ ቦታታት ምልላዮም ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እዞም ከም ተነቀፍቲ እተራእዩ ከባቢታት ምናልባት መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ስርዓተ ሕክምናኦም ንምክልኻል ከምኡውን ተወሰኽቲ ፍርያት መድሃኒት ምኽዛን ዘድልዮም እዮም ክብል ላንግስትረን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com