Tuesday , May 7 2024

ሽወደን ምስ ካሊፎርንያ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ፈሪማ

Credit: POOL/AFP/TT

ሽወደን ኣብዚ ሰሙን ን ሓምለዋይ ጽገና ብዝምልከት ምስ ካሊፎርንያ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከቲማ። ልእልቲ ቪክቶርያ ኣብዚ ኣብ መንጎ ፎርሰልን ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶምን ዝተኻየደ ምፍርራም ተረኺባ ነይራ። እዚ ስምምዕ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሽወደንን መናሃርያ ጉግልን ኦፐን ኤይን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ሓሙሻይ ዝዓበየ ቁጠባን ዝኾነት ካሊፎርንያን ዘሎ ምትሕግጋዝ ንምዕማቚ ዝዓለመ ዝዓበየ ስትራተጂ እዩ። ሚኒስተር ንግዲ ወጻኢ ሽወደን ዮሃን ፎርሰል፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ምርምር ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጎ ኩባንያታትን ዝያዳ ምትሕብባር ንምፍጣር ክሕግዝ ከምዝኽእል ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com