Tuesday , May 7 2024

ቊጠባ ሽወደን ምንቊልቋል የጋጥሞ

Shoppers do their last Christmas shopping in Leicester Square in London, (AP Photo/Frank Augstein) FAS105

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ምንቁልቋል ከምዘሎ ሎሚ ብወግዒ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ ን ክልተ ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት ኣሉታዊ ዕብየት ኣመዝጊቡ’ሎ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2023 ውሽጣዊ ፍርያት ሽወደን ብ 0.3% ምንካዩ ሎሚ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። “ስድራቤታት ምስ ክብሪ ናብራ ኣብ ምቅላስ እዮም ዝርከቡ፣ ሸመታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ነክዩ’ሎ፣ ብሰንኪ ልዑል ዋጋታት ንብረትን ልዑል መጠን ወለድን ጸቕጢ ይስምዖም ኣሎ” ክብል ዋና ተንታኒ ባንክ ኖርድያ ቶርብዮርን ኢሳክሰን ኣተሓሳሲቡ፡፡ ቶርብርዮን ካልእ ክኢላን ስነቚጠባ ብዛዕባዚ ቁጠባዊ ምንቁልቋልን እንታይ ዝበለ ሳዕቤናት ከም ዝህልዎም ኣመልኪቶም ንሬድዮ ሽወደን ሓበሬታ ሂቦም ኣለዉ። ንሳቶም “ዝመጽእ ዓመት ዝሓሸ ኲነታት ኣየር ክህሉ፥ ብእኡ መጠን ከኣ ዝቕባበ እናነከየ ክኸይድ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና” ኢሎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com