Tuesday , May 7 2024
(AP Photo/Vadim Ghirda) XVG112

ቊጽሪ ተጠቃዕቲ ፍንጣጣ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ

ግዳያት ናይቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላላፍ– ሕማም ፍንጣጣ– ብናህሪ ይውስኹ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ብፍላይ ኣብቶም ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ርክብ ዝፍጽሙ ሰብኡት (ግብረ-ሰዶማውያን ) ብብዝሒ ይረአ ምህላዉን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ብሰለስተ ዕጽፊ ምዝያዱን ተቓሊዑ። ኣብ ክሊኒክ ምክልኻል ሕማማት መውስቦ ስቶክሆልም Venhälsan – Södersjukhuset’s ክሳብ 300 ዝበጽሑ ግዳያት ፍንጣጣ ከም እተራእዩን እዚ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ሽወደን እተራእዩ ሕማማት ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ።

ኣብ 10 ዓመታት ቊጽሪ ሕሙማት ብ 500% ምውሳኹ መጽሄት QX ኣስፊራ’ላ። “እዚ ሕማም ብመቐመጫ ብዝውሰድ መርፍእ ከምኡውን ንኽልተ ሰሙን ብዝወሃብ ናይ ከኒና መድሃኒት ክሓዊ ይኽእል እዩ” ክብል ኣማኻሪ ፊን ፊሌን ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ። ሰባት ከም ቀደሞም ኮንዶም ይጥቐሙ የለዉን ዝበለ ፊሌን እዚ ሕማም ኣብ ፍልማዊ ደረጃኡ ምንም ምልክታት ስለ ዘየርኢ ብዙሓት ሰባት ደሓን ኣለና እናበሉ በቲ ሕማም ይልበዱ ምህላዎምን ኣረዲኡ።

ግብረሰዶማውያን ከምቲ ቀደም ን HIV ዘይፈርህዎ ምዃኖም ነዚ ሽግር የጋድዶ ምህላዉ፥ ሎምሎም ጽምዲ ግብረሰዶማውያን ኮንዶም ኣብ ምጥቃም ዝልቕ ኢሎም ምህላዎም ጠንቂ ሽግር ምዃኑ ፍሌን ምስ Radio P4 ስቶክሆልም ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ኣረዲኡ።

ኣብ 2018: ኣብ ስቶክሆልም ተጠቃዕቲ ፍንጣጣ 197 ጥራይ ምንባሩ ኣብ 2020 ናብ 262 ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከኣ ናብ 300 ምዕባዩ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com