Tuesday , May 7 2024

ባይቶ ሃንጋሪ ትማሊ ሰኑይ ንኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣመልኪቱ ተኻቲዑ

Credit: Denes Erdos/AP/TT och ATTILA KISBENEDEK/AFP/TT

ባይቶ ሃንጋሪ ሎሚ ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ስሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ንምጽንባር ዘቕረበቶ ሕቶ ኣመልኪቱ ኣድሚጹ። ዛጊት ኣብዚ ጒዳይ ንሕቶ ሽወደን ድምጺ ኣብ ምሃብ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ሃገር ኮይና ጸኒሓ’ላ። እቲ ኣኼባ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ኮይ እቲ ድምጺ ድማ ከባቢ ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ብምድማጽ ነቲ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ክእለ ጌሩ’ሎ። ይኹን’ምበር፡ ባንዴራ ሽወደን ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ቅድሚ ምንብልባላ ገና ገለ ወግዓውነት ክፍጸሙ ከድልዮም እዩ። “ኩሉ ነገር እንተተማሊኡ፡ ወግዓዊ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ሰሙናት ዘይኮነስ ኣብ መዓልታት ክሳለጥ እዩ ኢና ንብል ዘሎና” ይብል ወኪል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ብራስለስ ኣንድርያስ ሊልየሄደን። እዚ እናኾነ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን ሳፖ ስለያ ሩስያ ነቲ ኣብ ቀረባ ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ግብምረመልሲ ክህብ ከምዝኽእል ብምሕሳብ ክትትል ይገብረሉ ምህላዉ ገሊጹ። ሽወደን ናብ ኔቶ ምጽንባራ ኣብ ስለያ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ጽርዳዊ ርክብ ሽወደንን ሩስያን ብመሰረት ሽወደን ኣብቲ ኪዳን ዝህልዋ ተራ ዝጽሎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ትማሊ ሃንጋሪ ንመመልከቲ ኣባልነት ሽወደን ድሕሪ ምጽዳቓ ሽወደን ናብ ኔቶ ንኸይትጽንበር ዓጊቱ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ምውጋዱ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com