Thursday , May 2 2024

ባይቶ ጀርመን ድርብ ዜግነት ፍቑድ ክኸውን ኣጽዲቑ

ኣባላት ባይቶ ጀርመን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሕግታት ዜግነት እታ ሃገር ሰፊሕ ጽገና ምግባሮም ተገሊጹ። እዞም ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ድርብ ዜግነት ክፍቀድ ንርዕመተ ዜግነት (ናቹራላይዜሽን) ዝወሃብ ረቛሒታት መንበሪ ኸኣ ቅልል ዝበለ ክኸውን መንገዲ ጸሪጉ’ሎ። ወጻእተኛታት ብዙሕ ውጥረት ዝመልአን ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፎም፡ መንግስቲ ንሕግታት ዜግነትን ርዕመትን ናቹራላይዜሽንን ዝዓለመ ኣዝዩ ኣገዳሲ እማመ ኣጽዲቑ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቡንደስታግ ዝተኻየደ ካልኣይን ሳልሳይን ንባብ እማመ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ኣብ ጀርመን ብዙሓት ዜግነታት ምሓዝ ፍቑድ ክኸውን፡ ከምኡ’ውን ንልዕሊ 67 ዝዕድሚኦም ኣመልከትቲ ጠለባት ፍቓድ መንበሪ ምቅላል ከምኡ’ውን ዕንቅፋታት ቋንቋ ክእለን ኣብ ዝብል ኣድሚጾም። ኩለን ኣብ ውሽጢ እቲ ብቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዝምራሕ ሰለስተ ሰልፍታት ዝሓቖፈ ጥምረት – ሶሻል ዲሞክራትስ (SPD)፡ ሓምለዋይን ነጻ ዲሞክራሲ (FDP) – ነቲ ሕጊ ዝድግፍ ድምጺ ሂበን ኣለዋ። ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ሰልፊታት ክርስትያን ዲሞክራትስ (CDU)፡ ክርስትያን ሶሻል ዩኒየን ( CSU) ከምኡ’ውን ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ‘ኣማራጺታት ን ጀርመን’ (AfD) ነዚ እማመ ተቓዊሞም እዮም። ካብ ጠቕላላ 639 ድምጽታት፡ 382 ኣባላት ባይቶ ነቲ እማመ ክድግፉ እንከለዉ፡ 243 ኣባላት ባይቶ ተቓዊሞም ኣለዉ፡፡ 23 ኣባላት ባይቶ ድማ ድምጾም ኣይሃቡን። ቅድሚ ድምጺ ኣብ ዝተኻየደ ርሱን ክትዕ፡ ንሓሳብ ድርብ ዜግነት ብእዉጅ ዝቃወም ኣባል ባይቶ ሲዲዩ ኣሌክሳንደር ትሮም ነቲ ውሳነ "ንሃገርና ብርቱዕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘምጽእ እዩ ክብል ነቒፍዎ’ሎ። ተቓወምቲ ዓቃባውያን ብዙሕ ግዜ ዝጥቀሙሉ ሓረግ ብምድጋም፡ ነቲ እማመ ዋጋ ዜግነት ዘጒደለ ክብል ብምንቃፍ፡ መንግስቲ ወጻእተኛታት ድምጾም ክህቡ ብምግባር ተወሳኺ ድምጺ ንምርካብ ዝገበሮ እዩ ክብል ከሲሱ። ቁጥዐኡ ብፍላይ ኣብቶም ደገፍቲ ምልካዊ ፕረዚደንት ረሲፕ ኤርዶጋን እዮም ዝበሎም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ቱርክ ዝቐንዐ እዩ። ኣብዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝነብሩን ብሰንኪ እገዳ ድርብ ዜግነት ርዕመት ነጸጒን ሰባት ድሮ ካብ ጀርመን ንላዕሊ ናይ ቀደም ሃገሮም መሪጾም ከምዝነበሩ ትሮም ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com