Sunday , May 5 2024

ባይደን“ ኮንግረስ ን ዩክሬይን ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ፓኬጅ ሓገዝ ኲናት ከጽድቕ ትጽቢት ኣሎኒ”

President Joe Biden speaks during a news conference in the East Room of the White House in Washington (AP Photo/Susan Walsh) WX203

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንመዘንኡ ዩክሬናዊ ፕረሲደንት ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዘውሕዘሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ስጉምቲ ብድምጺ ባይቶ ኮንግረስ ንምሕላፍ ይጽበ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ባይደን ንቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ከምዝጸድቕ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ሚስተር ዘለንስኪ ኣቐዲሙ ኣብ ኤውሮጳ ኣዕናዊ ኩነታት ንኸይፍጠር ተወሳኺ ኣጽዋር ክረክብ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። ኣመሪካ ነዚ ደገፍ ብህጹጽ ከይትውሕዝ ኣብ ባይቶ ዝተፈጥረ ጸገም ምንጩ ዩክሬይን ካብ ውግእ ኣቭዲቭካ ምውጽኣ ምዃኑ ብምጥቃስ ንዘለንስኪ ወቒሳ። ሩስያ ነታ ኣፍደገ ዶኔትስክ ዝኾነት ንኣቭዲቭካ ምሓዛ፡ ድሕሪ ባክሙት ንመጀመርታ ግዜ ዓብዪ ዓወት ምምዝጋባ እዩ ዝግለጽ ዘሎ ሰራዊት ዩክሬን ካብ ኮንግረስ ውሳነ ብምድንጓዪን ቀረብ ተተኮስቲ ኸኣ ብምጒዳሉን ካብታ ስትራተጅያዊት ከተማ ክወጹ ከም እተገደዱ ዋይት ሃውስ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሰኔት ኣመሪካ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ንዩክሬን ዝኸውን 60 ቢልዮን ዶላር ዘጠቓልል 95 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ፓኬጅ ሓገዝ ወጻኢ ኣጽዲቑ እዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን ኣብ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ምሉእ ምስምማዕ ዘይምህላዉ እዩ ዝግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com