Tuesday , May 7 2024
Ten new cases of the new virus variant delta with the mutation E484Q have been found in Sweden, according to the Public Health Agency of Sweden. Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ብሓድሽ ጅር ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም

ብሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ደልታ E484Q፡ ዝተለኽፉ ዓሰርተ ሰባት፡ ብበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ከምዝተለለዩን በዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም በዚ ሓድሽ ጅር ዝተለኽፉ ሰባት፡ 23 በጺሑ ከምዘሎ ንሕክምናዊ ጸብጻባት ዳገንስ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዞም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከም ዝተለለዩ ዓሰርተ በዚ ሓድሽ ጅር ዝተለኽፉ ሰባት፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት በጺሑ ዝመጸ ምዃኖም ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ ክፍለጥ ከምዝተኻእለ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።

ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ እታ ናይ ፈለማ በዚ ሓድሽ ጅር ዝተለኽፈ ሰብ ዘለለየት ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብቲ ምምሕዳር፡ ብድምር 13 ሰባት በዚ ሓድሽ ጅር ዝተለኽፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ተረጋጊጹ ዘሎ ብዝሒ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብዕጽፊ ክባዛሕ ከምዝኽእል ኣብቲ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ክፍሊ ምክትታል ምንጪ ለበዳ፡ ኣማኻሪ ጥዕና ዝኾነ፡ ማትስ ማርቲነል፡ ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ንመጀመርታ እዋን፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከምዝተራእየ ይዝከር።

እዚ ሓድሽ ጅር፡ ደልታ E484Q፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተራእዩ ዓይነታት ኮሮና ቫይረስ፡ እንታይ ዓይነት ዝተፈልየ ባህርያት ከምዘለዎ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ንጹር መረዳእታ ከምዘየለ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com