Tuesday , May 7 2024

ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን ክፍልታት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክንድቲ ዝድለ ይሳለጡ የለዉን ተባሂሉ።

Credit: YVONNE ÅSELL / SVD / TT

ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን ክፍልታት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክንድቲ ዝድለ ይሳለጡ የለዉን ተባሂሉ። ብውሕዱ ሓደ ወላዲ ዘለዎም ቀዳማይ ቋንቋኦም ሽወደንኛ ዘይኮነ ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ በቲ ቋንቋኦም ክመሃሩ መሰል ኣለዎም፡፡ እዚ ድማ ክፍሊ ”ቋንቋ ኣደ” እዩ ። ምምሕዳራት ከተማ ግና ብሰንኪ ሕጽረት ብቑዓት መምህራን ብብዙሕ ቋንቋታት ዝቐርብ ሕቶታት ንምምላእ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይከኣላ እዩ ዝግለጽ። ቀንዲ ምኽንያት እዚ ክስተት መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣመልከትቲ ቋንቋ ሽወደን ብዘዕግብ ደረጃ ስለዘይዛረቡ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ምሕላፍ ኣካዳሚያውን ባህላውን ሳዕቤን ከምዘለዎ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ፓርቲል መምህር ቋንቋ ኣደ ዓረብ ዛህራ ጅዋድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com