Tuesday , May 7 2024

ብሰንኪ ምዝንባል ክሊማ፡ ሚልዮናት ሶማላውያን ንጥሜት ይቃልዑ

ብስንኪ ሕማቕ ክሊማን ወራር ኣንበጣን ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሶማላውያን ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ኣለዉ ክብል ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ረድኤት ሓቢሩ።

እዚ ህጻናት ኣድሕን ዝተባህለ ትካል፡ ፍርያት ኣሕምልቲ እታ ሃገር፡ ብ 80% ምንቊልቋሉ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ መሸጣ ከብቲ ዝርከብ ዝነበረ ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ፡ ብ 55% ምጒዳል ከም ዘርኣየ፡ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ኣዴታት ንደቀን ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ እውን ክምግባ ይሽገራ ኣለዋ ኢሉ’ሎ። ገሊኣቶም ድሮ ብዓጸቦ ክጥቅዑ ጀሚሮም ምህላዎም እውን ኣመልኪቱ።

ኣብ ንቡር ኲነታት፡ 50% ካብ ናይ መግቢ ጠለባቶም ባዕላቶም ዝሽፍኑ ዝነበሩ ሓረስቶት ደቡብ ሶማልያ፡ ኣብዚ እዋን፡ ካብ ጻዕሮም ምናልባት 15% ጥራይ ክሓፍሱ እንተኽኢሎም እውን ዘጠራጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሓረስቶት ሶማል፡ ብዙሕ ግድላት እዩ ዝጽበዮም ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ ዝተገልጸ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ፡ ብዕጡቓት ዝግበር ጎነጽ እውን፡ ቀንዲ ሽግር ሶማላውያን ምዃኑ ይግለጽ።

ሃገረ ሶማል፡ መንግስቲ ኣልቦ ካብ እትኸውን 30 ዓመታት መሊኣ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com