Wednesday , May 8 2024

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስያ ሸውዓተ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓውያን ሃገራት

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝተሃስያ ርእሰ ከተማታት ንምውድዳር፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ መንጎ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ ዝገበሮ ምንጽጻር ምርኩስ ብምግባር፡  ከተማ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምትርከብ ተፈሊጡ።

እቲ ዝተገብረ ምንጽጻር፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝወዳድር እዩ። እተን ኣብ ምንጽጻር ዝኣተዋ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ፡ በርሊን፡ ለንደን፡ ማድሪድ፡ ኦስሎ፡ ፓሪስ፡ ሮማን ስቶክሆሎምን እየን። ኣሚስተርዳም፡ ብራጋን ብሮክስሊን ኣብቲ ምንጽጻር ከምዘይኣተዋ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ መነጻጸሪ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። እቲ ቀዳማይ ቁጽሪ፡ ካብ ሚእቲ ሽሕ ዝሕብር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ቅንፍ ዘሎ ድማ ብዝሒ ቁጽሪ ዝሕብር እዩ።

ማድሪድ፡ 170 (11349)

ስቶክሆሎም፡ 113 (2688)

ፓሪስ፡ 111 (2440)

ለንደን፡ 85 (6953)

ሮማ፡ 38 (2215)

በርሊን፡ 14 (527)

ኦስሎ፡ 9 (63)


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com