Sunday , May 5 2024

ቭላድሚር ፑቲን ን ሰራዊት ሩስያ ዝለዓለ ናእዳ ኣቕሪቡ

Russian President Vladimir Putin gestures during a press conference with French President Emmanuel Macron, Monday, Feb. 7, 2022 in Moscow. International efforts to defuse the standoff over Ukraine intensified with French President Emmanuel Macron holding talks in Moscow and German Chancellor Olaf Scholz in Washington to coordinate policies as fears of a Russian invasion mount. (AP Photo/Thibault Camus, Pool) PAR107

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ብግልጺ ከይጠቐሰ፡ ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት መደረኡ ሰራዊቶም ሓባራዊ ደገፍ ክግበረሉ ጸዊዑ። ንሱ፡ ንወተሃደራቱ ንሓቂ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘለኹም ጀጋኑ ኢኹም” ክብል ንኢዱ። ብተወሳኺ ንብዙሓት ሩስያውያን ቀንዲ ኣርእስቲ ዝኾነ ቁጠባዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ን 2024 ዓመት ስድራቤት ክትከውን ኣዊጁ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፑቲን ብወተሃደራት ተዓጂቡ መደረ ዘስምዐ ኮይኑ፡ ሩስያ ንምድሓን መስዋእቲ ክኸፍል ተሪር ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። ሎሚ ዓመት ግና በይኑ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ባይቶ ሩስያ ክረምሊን ኮይኑ እዩ ነዚ መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ንጅግንነት ወተሃደራት ሩስያ ድሕሪ ምንኣድ ብኣኻትኩም ንሕበን፡ ትብዓትኩም ነድንቖ ኢሉ። ፑቲን ምስ ብ ኔቶ እትድገፍ ዩክሬይን ብዘካይዶ ዘሎ ኲናት ኣሽሓት ወተህደራት ሩስያ ምሟቶም ገሊጹ። ኣብዚ ናይ ሓድሽ ዓመት መደረኡ ፑቲን፡ እቶም ኣዝዮም ከበድቲ ጸገማት ክንፈትሖም ከም እንኽእልን ንድሕሪት ከም ዘይንምለስን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኣመስኪርና ኢና፡ ምኽንያቱ ክፈላልየና ዝኽእል ሓይሊ ስለዘየለ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com