Tuesday , May 7 2024

ተኸሳሲ ጠበቓ ገበናዊ ክሲ ቀሪብሉ እናሃለወ ስራሕ ይቕጽል

Credit: Tomas Oneborg/SvD/TT

ንመስራቲ ማዕከን ጡረታ ኩባንያ ኣልራ ካብ ዕቋር ጡረታ ሚልዮናት ክሮነር ክወስድ ብምሕጋዙ ዝተኸሰሰ ጠበቓ ክሳብ ሕጂ ኣብ
ልዕሊ ሓምሳ ናይ ክሳራ ጉዳያት ክሰርሕ ምጽንሑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መስራቲ ኣልራ ኣሌክሳንደር ኤርንስትበሪ
ኣብ 2021 ካብ 170 ሚልዮን ክሮን ዕቚር ጡረታ ምትላል ብምፍጻሙ ንሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ እዩ።
“ኣብ ከምዚ ኩነታት ስራሕ ክቕጽል የብሉን” ክትብል ኣብ ትሮልሃታን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዌስት ፕሮፌሰር ሲቪላዊ ሕጊ ማሪ
ካርልሰን ቱላ ገሊጻ’ላ። ይዂንምበር ጠበቓ ኤርስንስትበሪ ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com