Monday , May 13 2024

ተወከልቲ መንእሰያት፡ “‘ንሕናን ንሳቶምን’ ዝብል ስምዒት ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ እምነት የዳኽሞ’ሎ”

ወከልቲ ኤጀንሲታት መንግስቲ ትሕቲ ዕድመን ኮተቴን መንእሰያትን ናብ ጒጅለታት ገበን ከይጽንበሩ እንታይ ክግበር ይከኣል ብዝብል ጒዳይ ሎሚ ተጋቢኦም። “ምትሕብባር”ን “ስሙር ተግባርን” ዝብሉ ቃላት ኣብዚ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምክልኻል ገበን መንእሰያት ቀንዲ ቴማታት ኮይኖም ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ ዮተቦሪን ሄልሲንግበሪን ኣብ ትሕት ዝበለ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኲነታት ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዝዓበዩ ወከልቲ መንእሰያት ሳባድ መሓመድን ማሃድ ዓብደላሂን፡ ኣብ መንግስቲ ኣብ ዕዮ ምውሳን ዝነጥፉ ሰባት ዘገድሶም ብዛዕባ መንእሰያት ምዝራብ ዘይኮነ ምስ መንእሰያት ቀሪብካ ብዛዕባ ጒዳዮም ምዝታይ ምዃኑ ይገልጹ። ኣብ ማሕበረ ቊጠባዊ ደረጅኡ ትሕት ዝበለ ከባቢ ምዕባይ ናይ ተነጽሎ ስምዒት ከም ዝፈጥር ኣምበሳደር ማሕበር መንእሰያት “ፍሩ ሶሳይተን ጎቲንበርኽ” ከምኡ’ውን ተመሃሪት ዩንቨርሲቲ ሳባድ መሓመድ ተገልጽ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ከባቢታት ዝነብሩ መንእሰያት ብ ንሕናን ንሳቶምን ዝብል ናይ ተነጽሎ ስምዒት ከም ዝሳቐዩ፥ እዚ ድማ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጒዳይ ምዃኑ ኣመልኪታ። “ነዞም ህጻናት ከልዕሉ ዝኽእሉ፣ ‘ኣብ እትደልይዎ ዕላማ ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም’ ዝብሉዎም፣ መምህራን የድልዮም እዩ፥ እዞም መንእሰያት ከም ሞዴል ኣብነት ዝኾኖም ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኲነታቶም ዝከታተልን ዝኣልዮን የድልዮም እዩ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com