Tuesday , May 7 2024
Anyone entering Sweden from outside the Nordic countries should be PCR-tested for COVID-19 on arrival, according to the Public Health Agency of Sweden. Foto Fredrik Sandberg / TT kood 10080

ናብ ሽወደን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ መርመራ ኮቪድ ከካይዱ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ካብ ሃገራት ኖርዲክ ወጻኢ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ እንከለዉ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከም ዘለዎም ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ምኽሪ፡ ገደብ ግዚኡ ከምዝተናወሐ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዞም ገያሾ፡ ምልክታት ሕማም እንተ ዘይተራእዮም ውን፡ ተቐላጢፎም መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ይግባእ። እቶም ካብ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡን ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ግን ካብዚ መርመራ ነጻ ምዃኖም ተገሊጹ።

ምኽንያት ናይዚ ምንዋሕ፡ ዝበዝሑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም ካብ ሃገራት ኖርዲክ ወጻኢ፡ ገይሾም ዝተመልሱ ሰባት ብምዃኖም ተቐላጢፍና ክንገትኦ ስለዝደለና ኢና ክትብል ኣብቲ በዓል መዚ፡ ሓላፊት ክፍሊ ዝኾነት፡ ሳራ ቢፎርስ፡ ገሊጻ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልጎት ጥዕና ሽወደን፡ ነቶም ካብ መገሻ ዝተመልሱ ሰባት፡ መርመራ ከምዝገበሩ ክቆጻጸሮም ዘኽእሎ ኣገባብ የብሉን።

እዚ ምንዋሕ ምኽሪ መርመራ ኮቪድ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ዝጸንሕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com