Saturday , May 4 2024

ናይጀርያ፥ ርእሰ ከተማ ካብ ኣቡጃ ናብ ሌጎስ ንምግዓዝ ዝኾነ መደብ ከም ዘይብላ ትገልጽ

ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ኣቡጃ ናብ ሌጎስ ንምግዓዝ ዝኾነ መደብ ከምዘይብሉ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንትነት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ወረታት ዘጋውሑ ዘለዉ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምውቃስ፡ ሓቅነት የብሉን ኢሉ። እቲ ወረ ኣመሓዳሪ ሌጎስ ነበር ቲኑቡ ዝሓለፈ ግንቦት ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ እዩ ጀሚሩ። ትካል መዓርፎ ነፈርትን ክፍሊ ማእከላይ ባንክን ናብ ሌጎስ ይግዕዙ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ ከኣ እቲ ጒዳይ ኣዘራራቢ ክኸውን ክኢሉ እዩ ። ኣቡጃ ኣብ 1991 እያ ንሌጎስ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ብምዃን ተኪኣታ። ኣቀማምጣኣ ኣብ ማእከል ሃገር ስለዝኾነት ዝተመርጸት ኮይና፡ ሌጎስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ውቅያኖስ ኣትላንቲክ እትርከብ ወደባዊት ከተማ እያ። ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ ርእሰ ከተማ ዝነበረት ሌጎስ፡ ማእከል ቁጠባን ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ። እቲ ፕረዚደንትነት፡ ዕሱባት ኣብ ህሉው ሃገራዊ ዘይምትእምማን ነዳዲ ንምውሳኽ ነዚ ወረ ምግዓዝ ርእሰ ከተማ ምምሃዞም ገሊጹ’ሎ ። እቶም ናይ ዛንታ ዝመሃዙ ሰባት ሓደገኛ ፖለቲካ እዮም ዝጻወቱ ዘለዉ ይብል ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ባዮ ኦናኑጋ። ናይጀርያ ኣብ መንጎ እቶም ብቐንዱ ኣስላም ዝኾኑ ሰሜንን ብዓቢኡ ድማ ክርስትያን ዝኾኑ ደቡብን ወጥሪ ዝረኣየላ ሃገር እያ። ኣብ ኣፍሪቃ ብቚጽሪ ህዝቢ ኣብ ቀዳማይ ኣትስራዕ ናይጀርያ ልዕሊ 250 ብሄራት ኣለዉዋ። ኣቶም ሰለስተ ቀንዲ ጉጅለታት ኣለዉ፡ ብሰሜን ሃውሳ፡ ብምዕራብ ዮሩባ፡ ብምብራቕ ድማ ኢግቦ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com