Sunday , May 5 2024

ኖርወይ፡ ኣን ኖርላንድ እተኸስተ ቅትለት ከቢድ ስንባደ ይፈጥር

ኣብ ሰሜን ኖርወይ ኣብ ኣትርከብ ኣውራጃ ኖርላንድ ትማሊ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዝተኽስተ ቅትለት ስድራቤት ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ። ፖሊስ እዚ ትራጀዲ ብቅትለትን ነፍሰ ቕትለትን ዝተኸስተ እዩ ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ነዛ ናይ ሓዳስ ዓመት ቅትለት ሓዊስካ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒን ክረምትን ኣብ ኖርወይ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲ ስሕለትን ብረትን ተኻዪዶም እዮም። ፖሊስ ኖርላንድ ትማሊ ንግሆ ካብ ፋውስክ ንሰሜን ወገን ኣብ ዝርከብ ሶርፊዮልድ ናብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ድሕሪ ምጽውዕዕም ኣብ ውሽጢ ሬሳታት ሓንቲ 40ታት ዝዕድሜኦም ጓል ኣንስተይቲ ወዲተባዕታይን ረኺቦም። ኩሎም ብስሕለት ተቐቲሎም እዮም ተረኺቦም። ብዘይካዚ ፖሊስ ክልተ ቆልዑ ምርካቦም፡ ሓዲኦም ብኻራ ተወጊኡኳ እንተነበረ፡ ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል ቦዶ ከምዝተጓዕዘ ተፈሊጡ። እቲ ካልእ ቆልዓ ግና ዝኾነ ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣይበጽሖን። ሓደ ካብቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ መንእሰያት ቅድሚ ነብሱ ምቕታሉ ንቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ፖሊስ ይኣምኑ፡፡ ፖሊስ ቀታሊ እቲ ሰብኣይ፥ እታ ሰበይቲ ወይስ እቲ መንእሰይ መን ምዃኑ ከይገለጹ ክሲ ክምስረቶ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለዉ።

ዓቃቢት ሕጊ እቲ ከባቢ ክሪስቲን ፔደርሰን ንኖርወጅያን ብሮድኬቲንግ (ኤን.ኣር.ኬ) ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ፖሊስ ምስ ካብ ቦዶ ዝመጹ ቴክኒሻናት ገበን ኮይኖም ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣድላዪ መርመራታት ክገብሩ እዮም” ክትብል ገሊጻ’ላ’። ኣብቲ ሞት ካልኦት ሰባት ከምዝተሳተፉ ዝሕብር ምልክት ከምዘየለ ፔደርሰን ወሲኻ ሓቢራ። ንሳ ፡ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት፡ ቅትለት ከም እተፈጸመ ናብ ፖሊስ ቅድሚ ምሕባሩ ሰባት ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ከምዝነበሩን ብፖሊ መርመራ ይግበረሎም ምህላዉን ኣመልኪታ። ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ እዮም ነይሮም ትብል። ሶርፎልድ ትሕቲ 2000 ሰባት ዝነብሩላ ኮይና፡ ከንቲባ እቲ ከባቢ ኮልብዮርን ማቲሰን በቲ ቅትለት ከም ዝሰንበደ ይዛረብ። እዚ ዓብዪ ትራጀዲዩ፥ ህዝቢ ሶርፎልድ ብሓባር ደው ኢሉ ንሓድሕዱ ክረአአ ኣገዳሲ’ዩ” ክብል ምስ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ ።

ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ልደት ነዚ ቅትለት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ኦስሎ ዝተፈጸመ ካልእ ህይወት ሰብ ዘሕለፈ መጥቃዕቲ ስሕለትን ብርክት ዝበለ መጥቃዕቲ ብረትን ኣብ ሲንሰን፡ ካልእ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ካርል ዮሃንስ ጌት ተኸሲቶም እዮም። ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ ከባቢ ሶሊ ፕላስ መጥቃዕቲ ስሕለት ከም ዘጋጠሞ እቲ ፈጻሚኡ ኸኣ ምህዳሙ፡ በዚ ድማ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ። እቶም ፍጻመታት፡ ኖርወይ ብሓቂ ብተዛማዲ ትሑት መጠን ገበን ዝረእየላ ውሕስቲ ሃገር ድያ ንዝብል ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ሓድሽ መራሒ መንግስቲ ከተማ ኦስሎ፡ ኤሪክ ላ ሶልበርግ ነቲ ብኻራ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ተኹስን “ዘሰክፍ ምዕባለ” ክብሎ እንከሎ፡ ጋዜጣ ዳግሳቪሰን ድማ ህዝቢ እቲ ከባቢ “ኣብ ከተማኡ ስእነት ድሕነት ክስምዖም ይኽእል እዩ” ክትብል ሓቲታ’ላ። ገለ ካብዚ መጥቃዕትታት፥ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ከይእሰሩ ዝገብር ሕጊ ኖርወይ ብምምዝማዝ ንመወዳድርቶም ዘፈራርሁ ወይ ዝቐትሉ ኣመላለስቲ ዕጸ-ፋርስ ዝፍጽምዎ እዩ። ካልእ ገበናት መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ዘቤታዊ ጎነጽ እዩ። እዚ እናኾነ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኤልቨሩም ኣብ መኪና ሬሳ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ብሞታ ዝተኸሰሰ ውጉእ ሰብኣይ ከምዝተረኽበ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ክልቲኦም ነበርቲ ኦስሎ እዮም–ብመሰረት ጸብጻብ ኖርወይ ቱደይ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com