Saturday , May 4 2024

ኖርወይ፥ መሸንቦባን ውሕጅን ሓደጋታት ኣኸቲሉ

Foto: Stian Lysberg Solum / NTB

መሸንቦባ፥ ሃንደበታዊ ምውሳኽ ሙቐትን ብርቱዕ ዝናብን ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ መላእ ደቡባዊ ኖርወይ ተወሳኺ ሽግር ኣለዓዒሉ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ታባ ሀምስዳል 38 ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ካብ መንገዳ ኣንደልሂጻ ምግልባጣ፡ እንተኾነ ግና ብኸቢድ ዝቖሰለ ሰብ ከም ዘየለ ተፈሊጡ። ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፥ ኹሎም ተሳፈርቲ ነጻ ንምውጻእ ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ሌርዳል ኣብ ዝርከብ እንዳ መግቢ ኣጽኒሕዕም ናብ ውሑስ ቦታ ንምጉዕዓዝ ሓያሎ ሰዓታት ወሲዱሎም እዩ። ሓደ ካብኣቶም ፔተር ጆንስብራተን ዛካርያሰን ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብርቱዕ መሸንቦባ ን ኣውቶቡሶም ፈግ ከም ዘበላን በዚ ድማ ንሓድሕዶም ክጋጨው ምግባሩን ገሊጹ። ብሰንኪቲ ቕድሚ ትማል ሰኑይ ዝተራእየ ህቦብላ ዝመልኦ ኩነታት ኣየር መዓርፎ ነፈርቲን ብዙሓት ህዝባዊ መጓዓዝያታት ምዕጻዎም፣ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራባዊ ኖርወይ ከኣ ምዕልቕላቑን ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ በርገን ዝርከብ ታሪኻዊ ወደብ ብሪገንን መብዛሕትኡ ክፋል ስታቫንገርን ብማይ ኣዕለቕሊቑ እዩ። ሓያሎ ንኣሽቱ ከተማታት ብሰንኪ ውሕጅ ደሴታት መሲለን ናሕሲ ናይ ሓንቲ ኣብ ኣረንዳል እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኸኣ ብኽብደት በረድን ምፍራሱ፡ ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ዝርከባ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ኸኣ ብሰንኪ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር ንመዓልቲ ተዓጽየን ምጽንሐን፡ እንተኾነ ግና ዝኾነ ሰብ ከም ዘይተጎድአ “ኖርወይ ኒውዝ” ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com