Thursday , May 2 2024

ኣላሜትሳ፡ እስራኤል ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትግለል ጸዊዓ፡

ROTTERDAM 20210516 Tusse från Sverige presenteras på "turkosa mattan" inför Eurovision Song Contest i Rotterdam. Semifinalerna går 18 och 20 maj, och finalen 22 maj. Foto: Jessica Gow / TT / kod 10070

ኣባል ባይቶ ሓምለዋይ ሰልፊ ፊንላንድ ኣልቪይና ኣላሜትሳ ምስ ሙዜቀኛታት ፊንላንድ ብምሕባር፡ እስራኤል ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትግለል ጸዊዓ፡፡ እዚ ውሳነ ፊንላንድን ሃገራዊ ትካላ YLEን ኣብ ፈነወ ሕብረት ኤውሮጳ (EBU) ጽልዋ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣላሜትሳ ገሊጻ’ላ። እዚ መግለጺ ኣላሜትሳ ዝወጸ ትካል ‘ሴቭ ዘ ቺልድረን’፥ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ቓዛ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 100 ህጻናት ብደብዳብ እስራኤል ይቕተሉ ከምዘለዉ ዝሕብር ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ። ብሞት ብዙሓት ህጻናት ተሓታቲ ዝኾነት መንግስቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ማዕረ ካልኦት መንግስታት ተሰሪዓ ክትሳተፍ የብላን ክትብል ኣላሜትሳ ኣጒሊሓ’ላ። ሩስያ ድሕሪ ክሲ ገበናት ኲናት ካብ 2022 ካብ ዩሮቪዥን ምግላፋ ዝዘከረት ኣላሜትሳ፡ ተመሳሳሊ መለክዒታት ኣብ እስራኤል ክውዕል ከምዘለዎ ተሟጊታ’ላ። ሓንቲ ሃገር ብገበን ኲናት እንተተጠርጢራ ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ክፍቀደላ የብሉን። እዚ መዐየሪ ንእስራኤል እውን ክምልከት ኣለዎ። ፊንላንድን YLEን ብመንገዲ EBU ኣብዚ ውሳነ ተራ ክጻወታ ይኽእላ እየን ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ኣላሜትሳ ከም መጠን ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ፡ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኣብ ኤውሮጳ ሓድነት ንምድንፋዕን ንምዝንጋዕን ዝሕግዝ መድረኽ ምዃኑ እምነታ ገሊጻ። እንተኾነ ግን ሓድነት ይኹን ምዝንጋዕ ንቕትለት ህጻናት፡ ገበናት ኲናትን ካልእ ብእስራኤል ዝፍጸም ጭካነ ዝመልኦ ተግባራትን ከአንግድ ኣይክእልንዩ ኢላላ። እዚ መርገጺ ኣላሜትሳ ኣብ ገለ ሰብመዚ ኤውሮጳውያን ከምኡ’ውን ስነጥበባውያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስምዒት ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ዩሮቪዥን ጽምብል ሙዚቃን ብዙሕነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ክኽበርሉ ዝግባእ መድረኽ ጌሮም እዮም ዝቖጽርዎ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com