Wednesday , May 8 2024
Healthcare professionals in Skåne can get their third dose faster if there is a vaccine left over. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ስኮነ፡ ብተረፍ ብልቃጥ ክታበት ተኸቲቦም

ኩሎም ተረፍ ክታበታት፡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይግባእ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ነቲ ንኽጓሓፍ ተዳልዩ ዝነበረ ብልቃጥ ክታበታት፡ ንኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ብምኽታብ፡ ኣብ ጥቕሚ ንኸውዕሎ መደብ ሒዙ ከምዘሎ፡ ንጸብጻባት ጋዜጣ ሲድስቨንስካን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ንዓበይቲ ሰባት ዝኣልዩን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብን እቶም ንክኽተቡ ቀዳምነታት ዝወሃቦም ሰባት እዮም። ተረፍ ብልቃጥ ክታበት ምስ ዝህሉው ድማ፡ ነቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ሕሙማት፡ ዝወሃብ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ተወሳኺ ተረፍ ምስ ዝህሉ ግን፡ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክኾኖም እዩ።

እዚ ዝወጸ ውሳነ፡ ነቲ ክሳብ 4% ዝኸውን ተረፍ ብልቃጥ ክታበት ኣሎ ዝብል ሰነድ፡ ምርኩስ ዝገበረ ምዃኑ ኣማኻሪ’ቲ ምምሕዳር፡ ጂልበርት ትሪቦ፡ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com