Tuesday , May 7 2024

ኣባይቲ ሽወደን ካልእ ልዑል ዋጋ ጸዓት ዝረኣየሉ ክረምቲ ከጋጥመን ዶ ይኸውን?

Credit: Janerik Henriksson

ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መንግስቲ ነቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ደገፍ ጸዓት ንምሃብ ኢዱ ብምእታዉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ሽወደን ኣዝዩ ልዑል ዝተባህሀሉ መጠን ክፍሊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘጋጠመን ተሓቢሩ። ክረምቲ 2024 ከመይ ክኸውን እዩ? ከምኡ’ውን ንዝለዓለ ሕሳብ ምውዓይ ነዳዲ ዝድርኹ ረቛሒታት እንታይ እዮም? መልሲ ናይቶም ሕቶታትን ካልእን ንምርካብ፡ ሬድዮ ሽወደን ምስ ካጅ ፎርስበርግ ዝተባህለ ተንታኒ ዕዳጋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኤጀንሲ ጸዓት ሽወደን ኣዘራሪባ’ላ። ንሱ ኣብ መልሱ “ኣብዚ ወቕቲ ዊንተር ካብቲ ዓሚ ዝነበረ ኣዝዩ ዝሓሸ” ምዃኑ፥ እንተኾነ ግና ሕልፍ ሕልፍ እናበለ ዝለዓለ መጠን ክፍሊት ኣይክህሉን እዩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትንበ ከም ዘሸግር ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com