Tuesday , May 7 2024

ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ሰዓት 8 ናይ ምሸት፡ ኣብ ቦርሊንኘ (Borlänge) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ይለ (Gylle) ዘጋጠመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ተኽቲሉ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ፈጻሚ ናይቲ ሓደጋ ዝበሎ ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ ሓቢሩ።

ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ምቕሃም ከምተሳተፋን ንሎሚ ሰኑይ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣቛሪጹ ከምዘሎን ተፈሊጡ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ቤት ትምህርቲ ከቢድ ክሳራ ኣውሪዱ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግን ከምዘየለ፡ ሓላፊት ተረኛ ፖሊስ ከባቢ ቤሪስሎገን (Bergslagen)፡ ማቲልዳ ቤርግስትሮም፡ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com