Thursday , May 2 2024

ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 90ሽሕ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ የእትዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፥ ልዕሊ 90ሽሕ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ ምእታዎም፥ “ቢሮ ቆጸራ-
ህዝቢ ኣውሮጳ” ገሊጹ። እዚ ካብ ሓንቲ ሃገር ዝመጸ ዝበዝሐ ኣሃዝ ሓተትቲ ዕቚባ እዩ፥ ክብል “Khaama Press”
ጸብጺቡ’ሎ። ኣብ ምጅማር እዚ ሒናዮ ዘሎና ዓመት፥ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ ከእትዉ ዝደልዩ ሰባት ምስ ናይ
ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር፥ ብ 40% ምውሳኹ “ቢሮ ቆጸራ-ህዝቢ ኣውሮጳ” ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት
ጥራይ፥ 76,500 ሰባት ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዕቚባ ምእታዎም ዝገለጸ እቲ ቢሮ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ
ዕቚባ ዝሓተቱ ዜጋታት ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ምንባሮም ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። 77% ካብዚ ሕቶ ዕቊባ ናብ ሃገራት ስፔይን፡ ጀርመን፡
ፈረንሳን ኢጣልያን ዝቐረበ ኮይኑ፡ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 25,000 ሕቶ ዕቚባ ተቐቢላ’ላ። ካብዞም ንሃገራት ኣውሮጳዊ
ሕብረት ዝኣተዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሓተትቲ ዕቚባ፥ እቶም 2,745 ብዘይ መሰነይታ ዝመጹ ቆልዑ ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም ከኣ
እቶም 1,025 ዜጋታት ኣፍጋኒስታን እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com