Monday , May 6 2024

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣማኢት ብሪጣንያውያን ክወጹ ትእዛዝ ተዋሂብዎም

European Union (AP Photo/Yves Logghe)

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት፥ ኣብ 2023 ልዕሊ 1000 ብሪጣንያውያን ካብ ግዝኣቶም ክወጹ ትኣዝ ምትሕልላፈን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ “ትካል ስታቲስቲክስ ሕብረት ኤውሮጳ” ዝተረኽበ መረዳእታ ሓቢሩ። ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እንተላይ ኖርወይን ስዊዘርላንድን ሓዊሱ ሃገራት ሸንገን ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ 2023 ጥራይ ብጠቕላላ 1040 ዜጋታት እንግሊዝ ካብ ግዝኣቶም ክወጹ ትእዛዝ ምትሕልላፎም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ብቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሕብረት ኤውሮጳ ዩሮስታት ዝተዘርግሐ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብተን 27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዓሚ ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበራ ኣዋርሕ ንዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋህበ ትእዛዛት ምውጻእ ኣስታት 825 እዩ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ልዕሊ 12,000 ህንዳውያን ዜጋታት ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክወጹ ዝተኣዘዙ ኔሮም እዮም። እዚ ትእዛዝ ብተለምዶ ነቶም ፍቓድ መንበሪ ወይ ረቛሒታት ቪዛ ዘየማልኡ ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብታ ዘለዉዋ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከም ዝነብሩ ዘለዉ እዮም ዝቑጸሩ። እዚ ትእዛዝ ንገለ ከበድቲ ገበናት ንዝፈጸሙ ሰባት እውን ዝምልከት እዩ ። ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ድሕሪ ብረግዚት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ልዕሊ 2800 ብሪጣንያውያን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ክወጹ ትእዛዝ ከምዝተቐበሉ ጸብጺባ እያ። ናይ ምሉእ ዓመት 2023 ኣሃዛት ምስ ተወሰኸሉ፡ ድሕሪ ብረክዚት ዳርጋ 4000 ዜጋታት እንግሊዝ ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ከባቢ ሸንገንን ክወጹ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ ማለት እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው፥ ቅድሚ ብረክዚት ዝምልከት ኣሃዛት ኣብዚ ኣይተመዝገበን። ኣብ 2023 ቁጽሪ ናይ ምውጻእ ትእዛዛት ቀጺሉ፥ ዝተወሰና ሃገራት ብዙሕ ትእዛዛት ክህባ እንከለዋ ካልኦት ሃገራት ዛጊት ማንም ብሪጣንያዊ ክወጽእ ከምዝተሓተተ ተፈሊጡ። ብመሰረት ግዝያዊ መረዳእታ “ዩሮስታት”፥ ዓሚ ኣብተን ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ንዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝበዝሐ ትእዛዝ ዝሃባ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ– ሆላንድን ሽወደንን እየን። ሆላንድን 275 ሽወደን ከኣ 135 ብሪጣንያውያን ካብ ሃገረን ክወጹ ኣዚዘን ኣለዋ።

ሽወደን ኣብ ቀዳሞት 9 ኣዋርሕ 2023፥ 135 ብሪጣንያውያን ክወጹ ኣዚዛ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ምስቲ ኣብ ምሉእ 2022 ዝተዋህበ ናይ 385 ትእዛዝ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዓቢ ምንቁልቋል’ዩ። ኣብታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮነት እንተኾነ ግና ኣካል ናጻ ምንቅስቓስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነት ኖርወይ ግን ቁጽሪ ናይቶም ክወጹ ተኣዘዙ ብሪጣንያውያን ክውስኹ ተራእዮም ኣለዉ። ኦስሎ ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2023 215 ኣብ ምሉእ 2022 ከኣ 130 ብሪጣንያውያን ክወጹ ኣዚዛ እያ። ፈረንሳ ኣብ መንጎ ጥሪን መስከረምን 2023 100 ዜጋታት እንግሊዝ፡ ዴንማርክ 55፡ ቤልጅየምን ላቲቭያን 40፡ ፊንላንድ 35፣ ማልታ 25፣ ጀርመንን ግሪኽን 15፣ ኣውስትርያ ድማ 5 ክወጹ ኣዚዘን ኣለዋ። ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ዓባይ ብሪጣንያ እተአንግድ ስጳኛ፣ ዝሓለፈ ዓመት ዝኾነ ብሪጣንያዊ ክወጽእ ኣይዘዘትን። ብዘይካዚ ጣልያንን ስዊዘርላንድ እውን ዛጊት ዝኾነ ትእዛዝ ዘይምውጽአን መረዳእታ ዩሮስታት ይሕብር። ብሓፈሻ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስታቲስቲክስ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ጥሪን መስከረምን 2023 ልዕሊ 324 ሽሕ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክወጹ ዝተኣዘዙ ኮይኖም፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ (ልዕሊ 102 ሽሕ) ኣብ ፈረንሳ ዝተመዝገበ እዩ። ዝተፈላለየ መረዳእታታት ዩሮስታት ከምዘመልክትዎ፡ ኣስታት 470 ዜጋታት ብሪጣንያ ዓሚ ኣብ መንጎ ጥሪን መስከረምን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ወይ ካልእ ሃገር ከምዝተመልሱ ይሕብር። ካብዚኦም እቶም 125 ብሽወደን፣ 55 ብዴንማርክን ሆላንድን፣ 45 ብኦስትርያ (ግዝያዊ ኣሃዝ)፣ 35 ብፈረንሳን ላቲቭያን፣ 20 ድማ ብፊንላንድ ዝተሰጎጉ እዮም። ኖርወይ 65 ዜጋታት ብሪጣንያ፡ ስዊዘርላንድ ድማ 5 ክመልሳ ከለዋ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን ግና ዝኾነ ኣይመለሳን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com