Tuesday , May 7 2024
A firefighter sprays water as the Mountain View Fire tears through the Walker community in Mono County, Calif., (AP Photo/Noah Berger) PNA708

ኣብ ምዕራብ ኣመሪካ፡ ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ኣብ ምዕራብ ኣመሪካ፡ ኣብ ብርክት ዝበለ ቦታታት፡ ብሰንኪ ልዑል መጠን ሙቐትን ነቕጽን ሓያል ባርዕ ከም እተኸስተ ተገሊጺ።

ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ንምቁጽጻር፡ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ክሳብ ዕማሞም ዝውድኡ ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ኣሎ። ኣብ ካሊፎርኒያ ብሰንኪ ምቊራጽ መስመር ጸዓት፡ ተቐማጦ እታ ከተማ፡ ጸዓት ክጥቀሙ ከም ዘይከኣሉ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ።

ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ኣሪዞና፡ ክልተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ ወፍሪ ምጥፋእ ሓዊ እንከለዉ ብሓደጋ ምሟቶም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ ላስ ቬጋስን ኔቫዳን ውን፡ ክሳብ 47.2°C ዝበጽሕ መጠን ሙቐት ተኸሲቱ ከምዘሎን በዚ ድማ ካብቲ ሓዊ ንምጥፋእ ተባሂሉ ካብ ነፈርቲ ዝፍኖ ዘሎ ማይ ብሰንኪ ክቱር ሙቐት፡ ናብ ምድሪ ከይበጽሐ ሃፍፍ ምህላዉ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ እታ ሃገር ይሕብር።

ክልተ ሳምንታት ይገብር፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብምኽሳቱ፡ ኣማኢት ሰባት በቲ ሓደጋ ምሟቶም ዝዝከር እዩ። እዚ ዞባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ መጠን ሙቐት ከም ዘመዝገበ ፕሮግራም ዳህሳስ ምድሪ ኣውሮጳዊ ሕብረት ይገልጽ። ዓለማዊ ምልዋጥ ክሊማ ንኸምዚ ዝበለ ሕሉፍ ሙቐት ኣብ ምፍጣር ተራ ይጻወት ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ነዚ ክቱር ሙቐት ንኽፍጠር ኣበርክቶ ዝህብ ዘሎ ሓደ ንጽል ረቛሒ እዩ ኢልካ ምምልካት ከም ዘይከኣል ሓቢሩ።

ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና እንተዘይህሉ እዚ ኣብ ምዕራብ ኣመሪካን ካናዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ክቱር ሙቐት ኣይምተኽስተን ክብሉ ተመራመርቲ ክሊማ ነዚ ዝጻረር ሓሳባት ኣቕሪቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com