Saturday , May 4 2024

ኣብ ስቶክሆልም ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ኤምባሲ እስራኤል፥ ግብረሽበራዊ ገበን ተባሂሉ ይምርመር ኣሎ።

Credit: Henrik Montgomery/TT

ሽወደን ነቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረሞ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ፥ ግብረሽበራዊ ገበን ኢላ ብምግላጽ መመራኣ ትገብር ምህላዋ ተገሊጹ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ነዚ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ቦምባ ኢድ ምዃኑ ዝንገረሉ ባእታ ንምምርማር ነቲ ቦታ ተቖጻጺርዎ’ሎ። ፖሊስ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብቲ ኤምባሲ ተጸዊዕም፡ ኣብ ቀጽሩ ሓደገኛ ነገር ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሃገራዊ ጒጅለ ሃንደሳ ነቲ ባእታ ምዕናዉ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ባእታ ብርግጽ እንታይ ምዃኑ ፖሊስ ርእይቶ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቖጠቡ፥ ማዕከናት ዜና ግና ቦምባ ኢድ ምዃኑ እየን ዝገልጻ ዘለዋ። “ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ሓደገኛ ነገር ድሕሪ ምርካቡ፥ ብ31 ጥሪ ብበዓል መዚ ፖሊስ ሽወደን ዝተጀመረ መባእታዊ መርመራ ብኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ክተሓዝ ተጌሩ’ሎ” ክብል እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ምስዚ ተኣሳሲሩ እቲ ገበን ናብ ግብረሽበራዊ ክምደብ ተጌሩ እዩ ክብል ወሲኹ ኣመልኪቱ። ሽወደናዊት ጋዜጣ “ኣፍቶንብላዴት” ብወገና እቲ ቦምብ ናብ ሓጹር እቲ ህንጻ ከም እተደርበየ ገሊጻ’ላ። ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሽወደን ዚቭ ኔቮ ኩልማን ንኤክስ ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ እቲ ልዕሊ እቲ ኤምባሲ ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ድሕሪ ምግላጽ “በዚን ወዲኸምዚን ኣይንፈርሕን ኢና” ኢሉ’ሎ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ድሕሪ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ ምብርዑ፡ ኣብ ሽወደን ስምዒት ጸረ-ሴማውነት ምውሳኹ፡ በዚ ድማ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ትካላትን ጉባኤታትን ኣይሁድ ዘሎ ጸጥታ ንምድንፋዕ ናይ 10 ሚልዮን ክሮና (1 ሚልዮን ዶላር) ወጻኢ ክገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ታሕሳስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብ ስቶክሆልም ን ጸረ-ሴማውነት ኣብ ዝቃወም ሰልፊ ተሳቲፉ እዩ። ፖሊስ ሽወደን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር 120 ጥርዓናት ገበን ጸረ-ሴማውነት ከምዝበጽሖ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ቓዛ ዝበዝሑ ደቀንስትዮን ህጻናትን ልዕሊ 27,019 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም እተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብተመሳሳሊ ዜና ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ከተማ ሱንድባይበሪ ከባቢ ስቶርስኮገን ኣብ ዝርከብ መንብሪ ህንጻ ፍንጀራ ኣጋጢሙ። እቲ ነውጺ ፍንጀራ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ስቶክሆልም ዝተሰምዐ ኮይኑ፥ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com