Saturday , May 4 2024

ኣብ ሶርያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ይሞቱ

A U.S. flag is lowered as American and Afghan soldiers attend a handover ceremony from the U.S. Army to the Afghan National Army, (Afghan Ministry of Defense Press Office via AP) XRG216

ኣብ ሶርያ ኣብ ወሰን ከተማ ደማስቆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ምቚሳሎም ይሕብራ’ለዋ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ነቚጣ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም እተኸስተ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣፈኛ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ፍንጀራ ብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ምስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዮርዳኖስ ብዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተደብደበ መደበር፡ ሓደ ካብቶም ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዒራቕ፡ ዮርዳኖስን ሶርያን ዝንቀሳቐሱሉ መደበር ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ነዚ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተሃርመ ወተሃደራዊ ድፋዕ ሓዊስካ ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ዝርከብ መደበር ኣየር ኣል ኣሳድ ብኢራን ብዝተሰልጠኑ፡ ዝምወሉን ዝተዓጠቑን ምልሻታት መጥቃዕቲ በጺሕዎም ኣሎ። ኣብታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ እስራኤል ወሳኒት መሓዛ ኣሜሪካ ዝኾነት ዮርዳኖስ ዝዓስከሩ ኣስታት 3000 ወተሃደራት ኣሜሪካ፡ ኣብ ዒራቕ ድማ 2500 ኣለዉ። እዞም ወተሃደራት ከም ኣካል ናይቲ ጅሃዳዊ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንምክልኻል ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጥምረት ዳግማይ ትንሳኤ ብዕድመ መንግስቲ ዒራቕ ክጸንሑ ዝተገብሩ እዮም። እቲ ጥምረት ኣብ 2017 ምፍራሱ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሶርያ እውን ኣብቲ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዝኾነ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ብኩርዳውያን ንዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ ዝድግፉ 900 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣለዉ። መንግስቲ ሶርያ፡ ኣመሪካ ኣብ ሃገራ ምህላዋ ከም ከም እትርእዮ ብምጥቃስ ክትቃወሞ ጸኒሓ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com