Wednesday , May 8 2024

ኣብ ሽወደን፡ 40 ሽሕ ሰባት ክታበት ጸረ ኮሮና ከምተወግኡ ተፈሊጡ

 ኣብ ሽወደን፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2020 ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ ክሳብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ከምተኸትቡ ሽወደናዊ ናይ መድሃኒት ኤጄንሲ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ ኣቃሊሑ።

ኣሉታዊ ጽልዋታት ናይቲ ክታበት ዝከታተል እቲ ኤጄንሲ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዓሰርተ ዝኸውን ጉዳያት ከምተራእዩን ንሳቶም ድማ ፍኹስ ዝበሉ ምልክታት ኣብ ከባቢ ክታበት ዝተወግኡሉን ጸረ ኣካል ኣብ ትወስደሉ እዋናት ዝረኣዩ ጽልዋታት ምንባሮም ገሊጹ።

ክልተ ብዕድመ ዝደፍኡን ብዝተፈላለዩ ሕዱር ሕማማት ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሰባት፡ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘርን ብዮንቴክን ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት ምስ ወሰዱ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ ጠንቂ ሞቶም፡ እቲ መድሃኒት ድዩ ወይስ ካልእ፡ ክሳብ ሕጂ ኤጀንሲ መድሃኒት ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com