Monday , May 6 2024

ኣብ ቬትላንዳ ብጌጋ ብቕትለት ተኣሲሩ ዝጸንሐ መንእሰይ ክፍታሕ እዩ

Johan Nilsson / TT / Kod 50090

19ን 20ን ዝዕድሚአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብቕትለትሓንቲ ጓለንስተይቲ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪደን። ዓሚ ወርሒ
ጥቅምቲ ካብ ቬትላንዳ ደሃያ ዝጠፍአት እዛ ግዳይ ዝኾነት መንእሰይ ድሒሩ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ጫካታት ሞይታ ከም
እተረኽበት ዝፍለጥ እዩ። ብቕትለት እዛ መንእሰይ ተፈሪዱ ዝጸንሐ 19 ዝዕድሜኡ ሕጂ ብይግባይ ቤት ፍርዲ ናጻ ክወጽእ እዩ። እታ
ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብምኽንያት ገበን ቕትለት ዝተበየነላ ፍርዲ ተቐባልነት ረኺቡኳ እንተነበረ፡ ፍርዳ ግን ናብ 16 ዓመት
ክጎድል ተጌሩ’ሎ፡፡ ንሳ ነቲ ቕትለት ኣይወዓልኩዎን ክትብል ናይ እምነት ክሕደት ቃል ምሃባ፡ ጠበቓኣ ኸኣ ናብ ላዕለዋይ ቤት
ፍርዲ ይግባይ ክብል ምዃኑ ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com