Tuesday , May 7 2024

ኣብ ከተማ ዮንሾፒንግ ፖሊስ ብኸቢድ ቆሲሉ።

Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ዮንሾፒንግ ሓደ ፖሊስ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ቆሲሉ። እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናእተወ እዩ በቲ ሰብ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ወሪድዎ። እቲ በዓልመዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናብ ሞት ከቃልዕ ዝኽእል ምዃኑን ናብ ሆስፒታል ከም እተወስደን ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ጥርጡር ብድሕሪኡ ንኻልእ ኣባል ፖሊስ ከጥቅዕ እናፈተነ ብጥይት ተሃሪሙ ብኸቢድ ከም ዝቖሰለን ኣብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሉ ምህላዉን ዝሓበረት ሬድዮ ሽወደን፥ ብፈተነ ቅትለትን ዘይሕጋዊ ውነና ኣጽዋርን ተወሳኺ ክሲታት ክቐርበሉ ምዃኑ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com