Tuesday , May 7 2024

ኣብ ኲናት ዩክሬይን ክዋግኡ ዘይደልዩ ሩስያውያን መንእስያት ኣብ ሽወደን ዕቚባ ይሓቱ

Credit: Dimitri Lennartsson/Sveriges Radio

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ሩስያ ናብ ዩክሬን ክዋግኡ ንኸይለኣኹ ብምፍራህ ካብታ ሃገር ምህዳሞም  ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ምሕታቶም ተሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ዛጊት ብዙሓት ሩስያውያን ኣብ ሽወደን ዘቕረብዎ ናይ ዕቚባ ሕቶ እወታዊ መልሲ ኣይተዋህቦን ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሕቶ ዕቚባኦም ተቐባልነት ዝረኸቡ መንእሰያት 33 ዝዕድሜኡ ኣንድሬይ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ተመኩሮ የብሉን። ንሱ ምዕጾ ቤቱ ብልኡኻት ሰብመዚ ክዂሕኳሕ ብንጹር ይዝክሮ። ፈለማ ናብ ኣእምሮይ ዝመጸ ሓሳብ ምናልባት ቤት ተጋግዮም እዮም ዝኾኑ ዝብል እዩ ነይሩ፡” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ካብቶም ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ሩስያውያን እቶም ፍቓድ ዝረኸቡ ብተዛማዲ ውሑዳት እዮም። እዚ ነቶም ኣብ ዩክሬን ንኽዋግኡ ንኸይለኣኹ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት እውን ዘጠቓልል እዩ። ሕጋዊ ጠበቓ ናይቲ ኣሲልቢራን ዝበሃል ትካል ሕጊ ዳኒኤል ካርነስተድ፡ ሓደ ሰብ ናብቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክለኣኽ ብርግጽ ተሓሲቡ ኔሩ ድዩ ምርግጋጽ ከቢድ ዕዮ ምዃኑ ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com