Wednesday , May 8 2024

ኣብ ደቡብ ዮተቦሪ ሞልንዳል ምፍንጃር ተኸሲቱ

Credit: Björn Larsson Rosvall/TT

ካብ ከተማ ዮተቦሪ ንደቡብ ኣብ እትርከብ ሞልንዳል ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ፍንጀራ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ነውጺ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክፈርስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኣብዚ ከባቢ ሓያሎ ሕማቕ ነገራት ተኸሲቶም ኣለዉ…ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ክነብር ኣይደልን እየ” ክትብል ካብቲ ቦታ ከም እትግዕዝ ተገብረት ተቐማጢት ጀኒ ራይደል ንሬድዮ ሽወደን ናይቲ ከባቢ ቻነል P4 ዮተብሪ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com