Saturday , May 4 2024

ኣገልግሎት ጸጥታ ዴንማርክ፥ ጥሩፋት ንለበዳ ኮሮና ኣብ ጠቕሞም የውዕልዎ ኣለዉ። 

ማእከል ድሕነትን ስለያን ዴንማርክ ን ስግኣታት ግብረሽበራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ትንተና ንመጀመርታ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ዝቐንዐ ጥሩፍነት ከም እተራእየ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ብምርጫ ዝመጹ ሰብመዚን ካልኦትን ጎነጽ ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት ምልላዩን እዚ ተርእዮ ምስ ለበዳ ኮሮናን ካልኦት ረቛሒታትን ምትሕሓዝ ከም ዘለዎን እቲ ማእከል ወሲኹ ሓቢሩ። 

“ጥሩፋት ምፍርራህን ካልእን ሜላታት እዮም ዝጥቀሙ፥ ብዙሓት ካብዞም ታህዲዳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ተዘርጊሖም ኣለዉ” ክብል ተንታኒ ዓመታዊ ገምጋም ስግኣታት ግብረሽበራ PET ኣመልኪቱ። 

እንተኾነ ግና እዚ ግብረሽበራውያን ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ዝበተንዎ ታህዲድ ኣመልኪቱ ዝወጸ ገምጋም ብዙሕ ምጥርጣር ዘለዓዕል እዩ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ግብረሽበራ ኣብ ዴንማርክ ነዊሕ ዕምሪ የብሉን ዝብሉ ተጻረርቲ ትንተናታት ቀሪቦም ኣለዉ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com