Monday , May 6 2024

እስራኤል፡ “ሓማስ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ንምጥቃዕ መደብ ኣለዎ”

Credit: Dave Russell

ሓማስ ከም ኣካል ናይቲ መጥቃዕቲታቱ ናብ ኣህጒር ኣውሮጳ ንምስፋሕ ዘለዎ መደብ፥ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበለ ዕላማታት ኣውሮጳ፥ እንተላይ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም ውጥን ከም ዘለዎ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣገልግሎት ጸጥታን ሽወደን ሳፖሓማስ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ከምዘለዎ ካብ መንግስቲ እስራኤል ንዝቐረበ ሓበሬታ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ሽወደን ድሕነት ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ክትከታተል ምዃና እቲ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኣስሚሩሉ’ሎ። ብሽወደንን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ዝተጸውዐ ሓማስ ነቲ ጸብጻብ ውጹእ ሓሶት እዩ ክብል ነጺግዎ’ሎ። ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ጀርመንን ደንማርክን ብርክት ዝበሉ ምስ ሓማስ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊ ወግዓዊ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ሽወደን ኣሮን ቨርስታንዲግ፡ እዚ ዜና ኣብ ሽወደናውያን ኣይሁድ ሻቕላ ክውስኽ ምግባሩ እዩ ዝገልጽ። ምናልባት ኣብ ትካላት ኣይሁድ መጥቃዕቲ ክግበር ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕላ ምህላዉ ቨርስታንዲግ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዚ እናኾነ ሓማስ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ መጥቃዕቲ ከካይድ እዩ ዝብል ሓሳብ ምስ ዝጸንሐ ባህርያት እቲ ውድብ ንምልጋብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ብዙሓት ክኢላታት ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ’ለዉ። “ሓማስ ካብ እስራኤል ወይ ማእከላይ ምብራቕ ወጻኢ ንዝርከቡ ዕላማታት እስራኤል ከጥቅዕ ተሰሚዑ” ከም ዘይፈልጥ፥ “እዚ ርግጽ እንተኾይኑ ኸኣ መሰረታዊ ስትራቴጅያዊ ለውጢ ምግባሩ ዘመልክት እዩ” ክብል ኣብ መጽናዕቲታት ምክልኻል ሽወደን ኪኢላ ጒዳያት ማእከላይ ምብራቕ ኣወን ለንድ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com