Tuesday , May 7 2024

ኦርባን “ንሓድሕድና ኣብ ክንዲ እቲ ካልእ ክንሓልፍ ድሉዋት ኢና”

Credit: Dave Russell/Radio Sweden

ሃንጋሪ “ሳብ ያስ ግሪፐን” ዝዓይነተን ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ካብ ሽወደን ንምግዛእ ስምምዕ ከምዝገበረት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጣ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ቡዳፐሽት ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ምክልኻል ንርክብ እተን ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑን ከም ኣባላት ኔቶ መጠን ምትእምማንን ምክብባርን ከዕዝዛ ከም ዘለወን ኣስሚሩሉ። ንሱ ወሲኹ ሓንቲ ሃገር ኣባል ኔቶ ኮይና ማለት ከም ኣባል ሓደ ኪዳን ንሓድሕድና ኣብ ክንዲ እቲ ካልእ ግዴታና እዩ ኢሉ። ሎሚ ሰኑይ ባይቶ ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ኔቶ ሽወደን ድምጺ ክህብ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com