Wednesday , May 8 2024

ከተማታት ሽወደን ብዝጥዕም መንገዲ ክዕጸዋ ከምዝኽእላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን የተንብህ።

ሎቪን፡ ንዓና ዝሰማማዕን ከነትግብሮ እንኽእልን ውሳነታት ኢና ነመሓላልፍ ከም ኖርወይ ዝገበረቶ መንግስቲ ሽወደን ውን ንከተማታት ሽወደን ክዓጽወን ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስተፋን ሎቪን፡ ሎሚ ቀዳም ምስ ተለቪዥን TV4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ። ንምምሕዳር ስቶክሆሎም ንምዕጻው ዝተመሓላለፈ ውሳነ ክሳብ ሎሚ የለን። ከምዚ ዓይነት ውሳነ ንምትግባሩ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ብሰሜን ካብ ዶቦት ኦብሳላ ዝጅምር ኮይኑ፡ ክሳብ ሶደርታልያ ሓሊፍካ ኣብ ደቡብ ዝዝርጋሕ ምምሕዳር ስለዝኾነ። ኣድላይ እንተኾይኑ ግን ገለ ከባቢታት ክንዓጹ ንኽእል ኢና ክብል እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጹ።

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኩነታት ኣለዋ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ ነቲ ሕጋውን ማሕበራውን ሃዋሁ ዝሰማማዕ ውሳነ ትውስን ክብል፡ ነቲ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ንኣተሓሕዛ ለበዳ ክሮና ቫይረስ ኣመልኪተን ንሽወደን ዘቕንዐኦ ዘለዋ ነቐፌታታት፡ መልሲ ሂብሉ። መንግስቲ ሽወደን፡ ንርእቶታት ክኢላታትን በዓል መዚ ጥዕናን ተወኪሱ ነዞም ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ዘመሓላልፍ። እቲ ጉዳይ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ንምውድዳር ዘይኮነስ ነታ ሃገር ብዝጥዕምን ብዝሰማማዕን ቅኑዕን ትብሎ መንገዲ ምውሳን እዩ። እቶም ነመሓላልፎም ውሳኔታት ዝተጸንዑ፡ ተግባራውያንን ዓበይቲ ክሳራታት ዘየውርዱ ክኾኑ ይግባእ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምቁጽጻር ለበዳ ቫይረስ ክሮና፡ ንኣገልግሎት ጥዕናን ዘድልዩ ቀረባት ብምድላው ቀጻልነት ስራሐን ምውሓስ፡ ሕብረተሰብ ሽወደን ብዛዕባ ሕማም ክሮና ቫይረስ ኣፍልጥኡ ክብ ንምባል ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ሓበሬታ ምትሕልላፍ፡ ቁጠባዊ ኩነታት ሽወደን ንምሕላው ኩባንያታት ስረሐን ከየቋርጻ ድጎማታት ምሃብ ዝኣመሰሉ እቶም ቀንዲ ዕላማታት መንግስቲ ሽወደን እዮም።

ንሕማም ቫይረስ ክሮና ንምቁጽጻር መንግስቲ ሽወደንን በዓል ሚዚ ጥዕናን ዝተፈላልዩ ውሳነታትን ስጉምታትን ምውሳዶም ይዝከር። ከም መቐጸልታ ድማ እቲ ልዕሊ 50 ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ንኸይእከቡ ዝኽልክል ትማሊ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ከም ኣብነት ጠቒሱ። ሕብረተ ሰብ ሽወደን ኣንጻር ለበዳ ቫይረስ ክሮና ዝወጹ መምርሒታትን ውሳኔታትን ኣኽቢሩ ከተግብሮም ውልቃዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምዝኽኻር ካብ ዘይተደልዩ መገሻታትን ምትእኽኻብን ክቁጠቡ እቲ ሚኒስተር ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com