Tuesday , May 7 2024
Fredrik Sandberg/TT

ክሊማዊ ሸቶ ሽወደን ዕላማኡ ክወቅዕ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ። 

ሽወደን ክሊማዊ ሸቶኣ ንምውቃዕ ካብ ዓሚ ብዝሓሸ ተቓሪባ ምህላዋ ኤጀንሲ ምክልኻል ኣከባቢ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ኢጀንሲ ተንታኒት ክሊማ ሳራ ኣልምክቪስ ምስ ዓሚ ብምውድዳር ኣብዚ ጒዳይ ጽቡቕ ገስጋስ ከም እተራእየ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። 

ዓሚ ዝነበረ ትንበያ ኣብ 2045 ሽወደን ናብ ኣየር ኣትፍንዎ መጠን ክርቦን ናብ 38 ሚልዮን ቶን ክጐድል እዩ ተባሂሉ እኳ ተገሚቱ እንተነበረ ናይ ሎሚ ዓመት መጠን ፈነወ ኣዝዩ ብምጒዳል ናብ 12 ሚልዮን ምውራዱ እታ ሬድዮ ወሲኻ ሓቢራ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com