Monday , May 6 2024

ወቕቲ ክረምቲ ኣትዩ……… ናይ ፍርቂ ለይቲ ጸሓይ ውን ተመሊሳትና

ኣብ ሽወደን፡ ወቕቲ ክረምቲ ብወግዒ ምጅማሩ ናይ ትማሊ ሓሙስ ሰዓታት ምብራቕ ጸሓይ ኣበሲሩ። ኣብ ርሑቕ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ትሪየሪክስትሮሰት (Treriksröset) ኣብ ከባቢ ሰዓት 1፡02 ወጋሕታ ጸሓይ ምብራቓ፡ ንምጅማር ወቕቲ ክረምቲ ኣብ ሽወደን ዘበሰረ እዩ ነይሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ክሳብ ዕለት 18 ሰነ፡ ክሳብ ዕለት 18 ሓምለ ዘሎ ግዜ፡ ጸሓይ፡ ን24 ሰዓታት፡ ኣብ ልዕሊ ደረት ትርኢት፡ ክትከውን ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ተቐማጦ ናይታ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ቺነቩኦፕዮ (Keinovuopio)፡ ሰዓታት ድቃስ ዝበሃል ኣይክህልዎምን እዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚራ፡ ጸሓይ፡ ካብ ሰዓት 0፡52 ወጋሕታ ጀሚራ ክትበርቕ ስለዝኾነት።

ኣብ ዕለት 27 ግንቦት፡ ጸሓይ፡ ኣብ ኪሮና (Kiruna)፡ ሰዓት 0፡23 ዓሪባ ሰዓት 0፡49 ከም እንደገና ክትበርቕ እያ። ካብ ዕለት 28 ግንቦት ግን ን24 ሰዓት ጸሓይ ዓራርቦ ኣይክህሉን እዩ።

እታ ናይዚ ዓመት፡ ዝነወሐ መዓልትን ዝሓጸረ ለይትን ዘለዋ መዓልቲ፡ ሰኑይ 21 ሰነ ክትከውን እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com