Monday , May 6 2024

ወንጌላዊ ቲቢ ጆሹዋ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽም ምንባሩ ቢቢሲ ኣቃሊዓ

መስራቲ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ምዃኑ ዝንገረሉ ናይጀርያዊ ቲቢ ጆሹዋ ሰፊሕ ምግሃስ መሰልን ጾታዊ ምድፋርን ይፍጽም ምንባሩ ቢቢሲ ኣቃሊዓ። ሓሙሽተ እንግሊዛውያን ዝርከበአን ዓሰርተታት ኣባላት ናይቲ “ሲናጎግ ቸርች ኦፍ ኦል ኔሽንስ” ተባህለ ቤተክርስትያን ነፍስሄር ቲቢ ጆሹዋ ጾታዊ ዓመጽ ከም ፈጸመለን ከምኡ’ውን ግዱድ ምንጻል ጥንሲን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ግፍዒታት ከም ዝተፈጸመን ከሲሰን ኣለዋ። እዚ ብ ቲቢ ጆሹዋ ኣብ ሊጎስ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተኸስተ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እታ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ክሲታት ዝኾነ መልሲ ኣይሃበትሉን። እንተኾነ ግና ነቶም ኣቐድም ኣቢሎም ዝቐረቡ ክሲታት መሰረት ዘይብሎም ክትብል ኣዋዲቓቶም እያ። እንተኾነ ግና ቢቢሲ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዘካየደቶ መርመራዊ ጸብጻብ ቲቢ ጆሹዋ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያት ክም ወረዶም ዝገልጹ ዓሰርተታት መሰኻኽር ረኺባ’ላ። እዚ ጾታዊ ግህሰት ገሊኡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ኮይኑ መግረፍትን ማእሰርቲን እውን ይርከብዎም። ብቲቢ ጆሹዋ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመለን ዝገልጻ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ክሰን ከቕርባ ጸኒሐን ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ግዱድ ምንጻል ጥንሲ ከምዝተገብረ፥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ሓሙሽተ ግዜ ምብርዓን ጥንሲ ከምዝነበረት ተጠቒሱ’ሎ። ብዘይካዚ ወንጌላዊ ቲቢ ጆሹዋ ነቲ ተኣምራዊ ፈውሲታቱ ብኸመይ ብሓሶት ይዋስኦ ምንባሩ ብዝርዝር ዝገልጽ ብዙሕ መርትዖታት ምእካባ ቢቢሲ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ኦንላይን ሕታማ ኣቃሊዓ’ላ። ህቡብ ተለቫንጀሊስት ቲቢ ጆሹዋ ኣብ 2021 ምሟቱ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com